ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትርን ተፀዋዕቲ ትካላትን  ኣብ ክልል ትግራይ ንዓቕሚ ዘይብሎም ወገናት ዘህነፅዎም መንበሪ ኣባይቲ ኣረኪቦም





 

መቐለ/ሰነ/ 28/2017(ኢዜኣ) ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትርን ተፀዋዕቲ ትካላትን  ኣብ ክልል ትግራይ ከተማታት መቐለን ውቕሮን ንዓቕሚ ዘይብሎም ወገናት ዘህነፅዎም መንበሪ ኣባይቲ ኣረኪቦም።

ህንፀት እቶም ኣባይቲ ምዝዛም ስዒቡ ሚኒስትር ዲኤታ ኣማኻሪ ጉዳያት ብሄራዊ ድሕንነት እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ቀነኣ ያደታ (/) ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም እቶም ኣባይቲ ነቶም ነበርቲ ኣረኪቦም።

ኣብ ውቕሮ 5 ከምኡ እውን ኣብ መቐለ 15 ኣባይቲ ብፅሬትን ብቕልጡፍን ተሃኒፆም ብምዝዛሞም ሎሚ ነቶም ነበርቲ ተረኪቦም።

ብኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትርን ተፀዋዕቲ ትካላትን ንዝተሃነፁ 20 መንበሪ ኣባይቲ ልዕሊ 23 ሚልዮን ብር ወፃኢ ከምዝተገበረ እውን ተገሊፁ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም