ፅርይቲ ኢትዮትጵያ ጋህዲ ንምግባር ዝተጀመሩ ተግባራት ምጥንኻር ይግባእ - ኢዜአ ትግርኛ
ፅርይቲ ኢትዮትጵያ ጋህዲ ንምግባር ዝተጀመሩ ተግባራት ምጥንኻር ይግባእ

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ/26/ 2017 /ኢዜኣ/ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ሌሊሴ ነሜ (ኢ/ር) ፅርይቲ ኢትዮትጵያ ጋህዲ ንምግባር ዝተጀመሩ ተግባራት ብዝበለፀ ምጥንኻር ይግባእ ኢለን፡፡
ኣብ ክልል ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ መርሃ ግብሪ መጀመሪ ፅርይቲ ኢትዮጵያ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ነጋሽ ዋጌሾ (ዶ/ር)ን ሌሊሴ ነሜ (ኢ/ር)ን ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣብ ከተማ ቦንጋ ተኻይዱ።
ሌሊሴ ነሜ (ኢ/ር) ኣብቲ እዋን ኣብ ዝገበረኦ መደረ÷ ንፅህና ከባቢ ኣብ ምሕላው ንፅርይቲ ኢትዮትጵያ ጋህዲ ንምግባር ዝተጀመሩ ተግባራት ምጥንኻር ይግባእ ኢለን፡፡
ኣቦታት እቲ ክልል ሓሊዮም ዘፅንሑዎ ደኒ ብኽለት ኣየር ኣብ ምውጋድን ንናብራ ዝስማዕማዕ ከባቢ ንኽፍጠርን ምቹኡ ባይታ ከምዝኾነ ኣልዒለን።
ብኽለት ከባቢ ምእላይን ፅሬት ባህሊ ምግባርን ንንፅህቲ ኢትዮጵያ መሰረት ከምዝኾነ እውን ኣብሪሀን፡፡
ጎስጓስ ፅርይቲ ኢትዮጵያ ከተማታት ንናብራ ምቹው ንምግባር ዘኽእል ኩነታት ስለዝተፈጠረ እቲ ተግባር ባህሊ ምግባር ይግባእ ዝበሉ ድማ ርእሰ ምምሕዳር ነጋሽ ዋጌሾ (ዶ/ር) ኢዮም።
ጎስጓስ ፅርይቲ ኢትዮጵያ ምስ ሓምለዋይ ኣሰር ብምትእስሳር ንምግብነት ዝውዕል ፈልሲ ምትካልን ስራሕቲ ትሩፋት ሌማት ምጉልባትን ከምዘድሊ ሓቢሮም፡፡
እቶም ኣመራርሓ ጎናጎኒ ጎስጓስ ፅርይቲ ኢትዮጵያ ፈልስታት ሓምለዋይ ኣሰር ዘንበሩ እንትኸውን ፤ንኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ክረምት እውን አጀሚሮም።
ኣብ እቲ መርሃግብሪ ነበርቲ እቲ ከባቢ ፣ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ፌዴራኢ ን ላዕለዎት ኣመራርሓ ዞባን ክልልን ተሳቲፎም።