ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ዶብ ተሻገርቲ መናእሰይ ርክብ ሕድ ሕድን ምድግጋፍን ዘጠናኽር እዩ-ርእሰ ምምሕዳር ኣወል ኣርባ




 

ሰመራ/ሰነ/ 24/2017(ኢዜኣ) ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ዶብ ተሻገርቲ መናእሰይ ርክብ ሕድ ሕድ፣ሓድነትን ምድግጋፍን ዘጠናኽር ከምዝኾነ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ኣወል ኣርባ ገሊፆም።

ወለንታውነት ንልዕልና ኢትዮጵያኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ መድረኽ ምጅማር መርሃ ግብሪ ወፍሪ ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ዶብ ተሻገርቲ መናእሰይ 2017 / ኣብ ከተማ ሰመራ ይሳለጥ ኣሎ።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ኣወል ኣርባ ኣብዚ መድረኽ ተረኺቦም ከምዝበልዎ፤ ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ዶብ ተሻገርቲ መናእሰይ ርክብ ሕድ ሕድን ምድግጋፍን ብዝበለፀ ዘጠናኽር እዩ።

ብተወሳኺ እውን ሕውነትን ኣሓትነትን ንክጠናኸር ዝገብርን ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ንክቀላጠፉ ዝሕግዝን እዩ ኢሎም።

ሚኒስትር ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራውን ኤርጎጌ ተስፋዬ (/) ብግደአን፤ ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ኣዋርሕ ክረምቲ ዶብ ተሻገርቲ መናእሰይ ማሕበራዊ ርክባትን ስራሕቲ ልምዓትን ንክጠናኸሩ ከምዝሕግዝ ተዛሪበን።

ቅድሚ ሕዚ መናእሰይ ፍልጠቶምን ጉልበቶምን ተጠቒሞም ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት እታ ሃገር ብምዝውዋር ውፅኢታዊ ስራሕቲ ከምዘሳለጡ ሓቢረን።

ሎሚ ዘበን እውን ኣብ 14 ዓውድታት ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ከምዘሳልጡ ብምግላፅ፤ ካብዚኣቶም መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ንምዕዋት ትኹረት ከምዝተውሃቦ ገሊፀን።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምጅማር፤ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ፌዴራልን ክልላትን ከምኡ እውን ካብ ዝተፈላለዩ ክልላት ዝመፁ ወለንታውያን መናእሰይ ተረኺቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም