ፓትሪያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ሓዊሱ ኣቦታት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ሓምለዋይ ኣሰር ኣንቢሮም





 

ኣዲስ ኣበባ/ ሰነ/24/ 2017 /ኢዜኣ/ፓትሪያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ሓዊሱ ኣቦታት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ሓምለዋይ ኣሰር ኣንቢሮም።

ብፁኣን ኣቦታት ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር ዘካየዶ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከባቢ ቦሌ ቪኣይፒ ተርሚናል ኢዩ።

ኣብ እዋን  መርሃ ግብሪ  ተኸላ ፈልሲ ዝተረኸቡ ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባን ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ኢንዱስትሪን ኣይተ ጃንጥራር ኣባይ፥ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ኣብ ሓምለዋይ ኣሰር ዝለዓለ ኣበርክቶ እትገብር ዘላ ከምዝኾነት ተዛሪቦም።

ኩለን ትካላት ሃይማኖት ሓምለዋይ ኣሰረን ምንባር ዝኽእላሉ ስፍራ ብምምሕዳር እታ ከተማ ፈሊዩ ምድላዉ ገሊፆም።ምእመናን ብንቕሓት ንክሳተፉ እውን  ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ኣብ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ዋና መካየዲ ስራሕ ላዕለዋይ ቤተ ክህነት መንበረ ፓትርያሪክ፣ ሊቀ ጳጳስ ኣህጉረ ስብከት ደቡብ ምዕራብ ሸዋን ከተማ ሸገርብፁዕ አቡነ ሳዊሮስ ከምኡ እውን ኣቦታት ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ-ክርስቲያን ተረኺቦም።

ምኸትል ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ን ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ኢንዱስትሪን ኣይተ ጃንጥራር ዓባይ ምምሕዳር ከተማን ሓለፍቲ ስራሕ ክፍለ ከተማ ቦሌ ተሳቲፎም ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም