ኢትዮጵያ ተበፃሕነት ሕክምና ጨረር ምስፋሕ ዘኽእሉ ስራሕቲ እናሳለጠት እያ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ተበፃሕነት ሕክምና ጨረር ምስፋሕ ዘኽእሉ ስራሕቲ እናሳለጠት እያ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ/ 23/2017(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ምርመራ ካንሰር ሓዊሱ ተበፃሕነት ሕክምና ጨረር ምስፋሕ ዘኽእሉ ስራሕቲ እናሳለጠት ከምዝኾነት ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።
ብምትሕብባር ሚኒስቴር ጥዕናን ዓለም ለኸ ኤጀንሲ ኣቶሚክ ኢነርጂን”ተስፋ ጨረራት”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝተዳለወን ኣቶሚክ ኢነርጂ ኣብ ዓውዲ ጥዕና ኣብ ዘለዎ ረብሓ ዝመክርን ዓለም ለኸ ጉባኤ ኣብ መኣከቢ ኣዳራሽ ሕብረት ኣፍሪካ ምክያድ ጀሚሩ።
ኣብቲ መድረኽ፤ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ፣ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ኤጀንሲ ኣቶሚክ ኢነርጂ ጀነራል ራፋኤል ግሮሲ፣ሚኒስትራት፣ኣምባሳደራት፣ተወከልቲ ዓለም ለኸ ትካላትን ዝምልከቶም ኣካላትን ተረኺቦም።
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብዚ እዋን፤ ኩነታት ጥዕና ዓለም እናተቐየረ ከምዝኾነን ኢትዮጵያ እውን ተለዋወጥቲ ኩነታት ኣብ ግምት ዘእተወ ስርዓት ጥዕና እናሃነፀት ምዃናን ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያ ተበፃሕነት ምርመራ ካንሰርን ሕክምና ጨረርን ምስፋሕ ዘኽእሉ ስራሕቲ እናሳለጠት ከምዝኾነት ዝገለፁ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ነዚ ድማ ነዚ ዘበን ዝምጥን ቴክኖሎጂ ምጥቃም ከምዝጀመረት ሓቢሮም።
ሕክምና ጨረር ብጥንቃቐን ብሓላፍነትን ኣብ ረብሓ ከምዝወዓለ ንምርግጋፅ ጠንካራ ስርዓት ቁፅፅር ተዘርጊሑ እዩ ኢሎም።
ኢነርጂ ኑክሌር ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ብምውዓል ሕክምና ጨረር ምስፋሕ ንሕማም ካንሰር ብቕልጡፍን ብምርመራን ብምፍላይ ሂወት ሰባት ኣብ ምትራፍ ዓብይ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ተዛሪቦም።
ብተወሳኺ እውን መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ጥዕና ሕብረተሰብ ኣብ ምምሕያሽ ንቑሕን ጥዕና ዘለዎን መነባብሮ ንክጠናኸር እናኽኣለ እዩ ኢሎም።
ዓለም ለኸ ኤጀንሲ ኣቶሚክ ኢነርጂ ኢነርጂ ኑክሌር ኣብ ሰላማዊ ኣገልግሎት ብፍላይ ድማ ኣብ ዓውዲ ጥዕና ኣብ ረብሓ ንምውዓል ዝገብሮም ደገፋት ዝተባብዑ ከምዝኾኑ ፀሪሖም።
መሓዙት ልምዓትን መንግስትታትን ካብ ፈንድ ብተወሳኺ ውፅኢት ጥዕና ዓለም ኣብ ምፍጣር እውን ናይ ምትሕብባር ስርሖም ንከዕብዩ ፃውዒት ኣቕሪቦም።