ኣብ ክልል ትግራይ ሃገር ለኸ ፈተና ክፍሊ 12 ኣብ 4 ዩኒቨርሲቲታት ይወሃብ ኣሎ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ክልል ትግራይ ሃገር ለኸ ፈተና ክፍሊ 12 ኣብ 4 ዩኒቨርሲቲታት ይወሃብ ኣሎ

መቐለ/ሰነ/ 23/2017(ኢዜኣ) ኣብ ክልል ትግራይ ሃገራዊ ፈትና ክፍሊ 12 እዚ ዓመት ኣብቲ ክልል ኣብ ዝርከቡ 4 ዩኒቨርሲቲታት ሎሚ ይወሃብ ኣሎ።
ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ሌተናል ጄኔራል ታደሰ ወረደ እቲ ፈተና ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ተረኺቦም ኣጀሚረምዎ።
እቶም ፕሬዚዳንት፤ ተፈተንቲ ተምሃሮ ተረጋጊዖም ፈተንኦም ንክወስዱን ዝሓሸ ውፅኢት ንከምፅኡን ሰናይ ትምኒቶም ገሊፆም።
ኣብ 4ቲኦም ዩኒቨርሲቲታት ዝፍተኑ ዘለዉ ተምሃሮ 36 ሽሕ ከምዝኾኑ ዝገለፁ ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ኪሮስ ጉዕሽ(ዶ/ር)፤ እቲ ፈተና ብዓወት ንክዛዘም ኣካላት ፀጥታ ፌዴራልን ክልልን ብምትሕብባር እናሰርሑ ከምዝርከቡ ተዛሪቦም።
ኣብ ዩኒቨርሲቲታት መቐለን ራያን ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈ ፈተና ካብ ዝወስዱ ዘለዉ ተፈተንቲ ሓደ ሓደ ተምሃሮ ከምዝበልዎ፤ ብፃዕሮም ናብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ንምእታው እኹል ምድላው ምግባሮም ሓቢሮም።
ብሄራዊ ፈተና ክፍሊ 12 እዚ ዓመት ካብ ሎሚ ጀሚሩ ክሳብ 8 ሓምለ 2017 ዓ/ም ብወረቐትን ኦንላይንን ከምዝወሃብ ኣገልግሎት ምዝናን ፈተናታትን ሃገራዊ ትምህርቲ ምግላፁ ዝዝከር እዩ።