መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ጉዕዞ ምንስርራእ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ንክዕወት ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ እናበርከተ እዩ-ሚኒስትራት




 

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ/ 23/2017(ኢዜኣ) መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ጉዕዞ ምንስርራእ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ንክዕወት ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ እናበርከተ ከምዝኾነ ሚኒስትራት ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(/)፣ምክትል ፕሬዝዳንት ናይጄሪያ ካሺም ሼቲማ፣ላዕለዎት ኣመራርሓ መንግስቲ ፌዴራልን ክልላትን ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ልምዓት ወሰን ሩባ ኣዲስ ኣበባ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ከምዝተሳለጠ ዝዝከር እዩ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ዝተሳተፉ ሚኒስትራት ከምዝበልዎ፤ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እቲ ኢኮኖሚ ንክዓቢ ዝተትሓዙ ትልምታት ንምዕዋት ርኡይ ኣስተዋጽኦ እናበርከተ እዩ ዝርከብ።

ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍጹም ኣሰፋ(/) ከምዝበልኦ፤ ኣብ ዝሓለፉ 6 ዓመታት ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ልዕሊ 40 ቢልዮን ፈልስታት ተተኺሎም እዮም።

መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ቅልጡፍ ዕቤት ኢኮኖሚ ንክምዝገብ ኣስተዋፅኦ እናበርከተ ከምዝኾነ ከም ኣብነት ፀሪሐን።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ብርክት ዝበሉ ፈልስታት ቡና ከምዝተተኸሉ ብምሕባር፤ እዚ ድማ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኢትዮጵያ ካብ ቡና ትረኽቦ ኣታዊ ንግዲ ወፃኢ እናወሰኸ ንክመፅእ ከምዘኽኣለ ተዛሪበን።

ኣቮካዶ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ፍርያታት ፍራ ምረ ናብ ወጻኢ ብምልኣኽ ኣታዊ እናተረኸበ ከምዝኾነ ዝገለፃ እተን ሚኒስትር፤ መርሃ ግብሪ ትሩፋት ሌማት ሽቶኡ ንክወቅዕ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ርኡይ እጃም ኣለዎ ኢለን።

መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ንክዓቢ ኣብ ዝግበር ሃገራዊ ፃዕሪ ዘይትካእ እጃም እናበርከተ ከምዝኾነ እውን ሓቢረን።

ሚኒስትር ሰላም መሀመድ እድሪስ ብግደኦም፤ ሓምለዋይ ኣሰር ንወለዶ ዝወሃብ ውህብቶ እዩ ኢሎም።

ትሩፋት ሓምለዋይ ኣሰር እናተርኣየ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ እቲ ኢኮኖሚ ንክነቓቓሕ ካብ ምሕጋዝ ብተወሳኺ ንመነባብሮ ምችው ከባቢ እናፈጠረ ከምዝርከብ እውን ኣረዲኦም።

ሚኒስትር ማይን ኢነርጅን ሀብታሙ ኢተፋ(/) ከምዝበልዎ፤ ሓምለዋይ ኣሰር ማይ ከርሰ ምድርን ገፀ ምድርን ንክውስኽ እናገበረ እዩ።

እቲ መርሃ ግብሪ ፍልፍላት ማይ ንክጠናኸሩ እናገበረ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ምሕዋይን ምንስርራእን ነፂፉ ዝነበረ ቃላይ ሃረማያ ውፅኢት ሓምለዋይ ኣሰር እዩ ኢሎም።

ሓመድ ንከይጉሕጓሕን ግድባት ብሑፃ ንከይመልኡን እቲ መርሃ ግብሪ ዓብይ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ኣረዲኦም።

ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እዚ ዓመት 7 ነጥቢ 5 ቢልዮን ፈልስታት ከምዝትከሉ እውን ገሊጾም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም