ንኣዲስ አበባ ምችውትን ፅርይትን ንምግባር ዝሳለጡ ስርሓትታት ተጠናኺሮም ክቐፅሉ እዮም -ከንቲባ አዳነች አቤቤ - ኢዜአ ትግርኛ
ንኣዲስ አበባ ምችውትን ፅርይትን ንምግባር ዝሳለጡ ስርሓትታት ተጠናኺሮም ክቐፅሉ እዮም -ከንቲባ አዳነች አቤቤ

አዲስ አበባ/ ሰነ/ 22/2017(ኢዜአ)፦ኣዲስ አበባ ንነበርታ ምችውትን ፅርይትን ንምግባር ዝሳለጡ ስርሓትታት ተጠናኺሮም ከምዝቐፅሉ ከንቲባ አዳነች አቤቤ ገሊፀን።
ብብርኪ ከተማ ኣዲስ አበባ መጀመሪ መበል ሸውዓይ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ አሰር "ብምትካል ምንስርራእ" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ይካየድ ኣሎ ።
ኣብ ምጅማር እቲ መርሃ ግብሪ ከንቲባ ኣዳነች አቤቤ ፣ ኣፈ ጊባኤ ቤት ምኸሪ ኣዲስ ኣበባ ቡዜና አልቃድር፣ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ጨንፈር ኣዲስ አበባ ሞገስ ባልቻ፣ ኣቦታት ሃይማኖት ፣ ሰብ ሞያ ኪነ ጥበብ ፣ ማሕበረሰብ ስፖርት ፣ ኣመራርሓታት ተነሓናሕቲ ፓርቲ ፖለቲካ ን ካልዖትን ተረኺቦም።