መርሃ -ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ሓመድ ከይኸላእ ብዝላዓለ ብርኪ ተኸላኺሉ - ሚኒስትር ግርማ አመንቴ(ዶ/ር)




 

አዲስ አበባ/ ሰነ/ 21/2017(ኢዜአ) መርሃ -ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ሓመድ ከይኸላእ ብዝላዓለ ብርኪ ምክልኻሉ ሚኒስትር ግብርና ግርማ አመንቴ(/) ገሊፆም

ከም መብሪሒ እቶም ሚኒስትር ፣ኢትዮጵያ ካብ ዘለዉዋ 12 ዋሓዝቲ ብፍላይ ኣብ ዋሕዚ ዓባይ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ብስፍሓት እናተሰርሐ እዩ።

በዚ እውን ኣብ ተፋሰስ ዓባይ ሽፋን እፅዋት ካብ ዝነበሮ 19 ሚኢታዊ ናብ 25 ሚኢታዊ ክብ ምባሉ ኣመልኪቶም።

ኣብ ዝሓለፉ ሽድሽተ ዓመታት ዝተሰለጠ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ሓደ ሄክታር ዝነበር ምኸላእ ሓመድ 130 ቶን ዝነበረ ናብ 54 ቶን ምንካዩ ልዑል ውፂኢት ምኹኑ ሚኒስትር ግብርና ግርማ ኣመንቴ ኣረዲኦም ።

ዝዓረቑ ከባቢታት ንምልማዕ ብተሰርሑ ስርሓትታት ዝተረኸቡ ኣዎንታዊ ውፂኢታት ዘዕግብ ምኹኑ ፀሪሖም፣ ኣብ ቐፃሊ እውን ዘላቒ ዝኾነ ስርሓቲ ዕቀባ ማይን ሓመድን ጎልቢቶም ክቐፅሉ ምኹኖም ኣፍሊጦም።

ኣብ ናይ ሎሚ ዘበን መጀመሪ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(/) ምክትል ፕሬዚዳንት ናይጄሪያ ካሺም ሼቲማን፤ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ከምኡውን ካልኦት ኣባላት ዲፕሎማቲክ ማሕበረሰብ ኣብ ዝተረኸብሉ ተጀሚሩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም