ሓምለዋይ ኣሰር ብዘይ ኣፈላላይ ብሓባር ንዝሓሸ ፅባሕ እነተግብሮ ኣካል ህንፀት ሃገር ኢዩ- ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ሓምለዋይ ኣሰር ብዘይ ኣፈላላይ ብሓባር ንዝሓሸ ፅባሕ እነተግብሮ ኣካል ህንፀት ሃገር ኢዩ- ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ ሰነ/21/ 2017 /ኢዜኣ/ሓምለዋይ ኣሰር ሓደ ኮይንና ንዝሓሸ ፅባሕ እነተግብሮ ኣካል ህንፀት ሃገር ኢዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም
"ብምትካል ምንስርራእ" ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ዝካየድ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ መላእ ሃገር 7 ነጥቢ 5 ቢሊዮን ፈልሲ ክትከል እዩ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፥ ኢትዮጵያ ብሚሊዮናት ዝቑፀሩ ዜጋታት ብምትሕብባርን ብምውፋርን ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብነት ዝኾነ ስራሕ ምስራሓ ኣመልኪቶም።
እቲ መርሃ ግብሪ ዜጋታት ብምስታፍ፣ ንሃገራዊ ልዕልና ቀንዲ ግደ ብምውሳእ ከምኡውን ንፅባሕ ዝረአየ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።
ብሚሊዮናት ዝቑፀሩ ኢትዮጵያዊያን ብገዛእ ፍቓዶም ኣብቲ መርሃ ግብሪ ዝገበርዎ ስራሕ እውን ን ዓቕሚ መደመር ዘርኣየ ስራሕ ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ኣብ ናይ ሎሚ ዘበን መጀመሪ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)፣ ምክትል ፕሬዚዳንት ናይጄሪያ ካሺም ሼቲማን፤ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ከምኡውን ካልኦት ኣባላት ዲፕሎማቲክ ማሕበረሰብ ኣብ ዝተረኸብሉ ተጀሚሩ።