መረፃ መጅሊስ 2017 ብብርኪ ኣዲስ ኣበባ ምዝገባ መረፅቲ ፅባሕ ክጅመር እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
መረፃ መጅሊስ 2017 ብብርኪ ኣዲስ ኣበባ ምዝገባ መረፅቲ ፅባሕ ክጅመር እዩ

አዲስ አበባ/ ሰነ/ 19/2017(ኢዜአ)፦ መረፃ መጅሊስ 2017 ብብርኪ ኣዲስ ኣበባ ምዝገባ ካብ ሰነ 20 ጅሚሩ ከምዝካየድ ቦርድ ኣፈፃሚ መረፃ ላዕለዋይ ቤት ምኸሪ እስልምና ኣፍሊጡ።
ንመራኸብቲ ሓፋሽ መግለፂ ዝሃበ ቦርድ ኣፈፃሚ መረፃካብ ክፍለ ከተማ ጀሚሩ እስጋብ መስጊድ ነቲ መረፃ ዘፈፅሙ ኣካላት ክውድብ ምፅንሑ ፀሪሑ።
ዕድምኡ 18 ዓመት ዝመልኦ ሙስሊም ክምዝገብ ከምዝኸእል፤
መረፅቲ ክምዝገቡ እንትመፁ ኣብ ዝምዝገብሉ ከባቢመስጂድ ንነባርነቶም ዘረጋግፅ መለለይ መንነት ሒዞም ክመፁ ከምዘለዎም ኣፍሊጡ ።
እቲ መረፃ ብኤሌክትሮኒክስ ከምዝካየድ እውን ኣካቢ ቦርድ መረፃ ኣመልኪቱ ።