ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ኣዋርሕ ክረምቲ እዚ ዓመት ልዕሊ 9 ሚልዮን ወለንታውያን ክሳተፉ እዮም - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ኣዋርሕ ክረምቲ እዚ ዓመት ልዕሊ 9 ሚልዮን ወለንታውያን ክሳተፉ እዮም

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ /19/2017 (ኢዜኣ) ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ኣዋርሕ ክረምቲ እዚ ዓመት ልዕሊ 9 ሚልዮን ወለንታውያን ከምዝዋፈሩ ቢሮ መናእሰይን ስፖርትን እቲ ክልል ኣፍሊጡ።
ኣብቲ ቢሮ መተሓባበሪ ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ኣሚኖ ኣማን ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ኣዋርሕ ክረምቲ እዚ ዓመት ብዝተጠናኸረ መልክዑ ክሳለጥ እዩ።
ብሓፈሻ ኣብዚ ክረምቲ 9 ነጥቢ 3 ሚልዮን ወለንታውያን ብምውፋር ልዕሊ 33 ሚልዮን ዜጋታት ተጠቀምቲ ዝገብሩ ኣገልግሎታት ሰናይ ፍቓድ ክሳለጡ እዮም ኢሎም።
ኣብቲ ክረምቲ፤ ተኸላ ፈልሲ፣መኣዲ ምክፋል፣ኣገልግሎት ጥዕና፣መጠናኸሪ ትምህርት፣ሕድሳትን ፅገናን ኣባይቲ ዓቕሚ ዘይብሎም ዜጋታት ሓዊሱ ኣብ 14 ዓውድታት ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ከምዝሳለጡ ሓቢሮም።
ኣብቶም ዝሳለጡ ኣገልግሎታት ሰናይ ፍቓድ ልዕሊ 19 ቢልዮን ብር ወጻኢ ንምትራፍ ከምዝተሓሰበ እውን ኣረዲኦም።
እቶም ብኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ዝሳለጡ ስራሕቲ ኢኮኖሚያዊ ተረባሕነት ኣብ ምርግጋፅ ዝለዓለ እጃም ከምዘለዎም ብምሕባር፤ ብፍላይ መናእሰይ ሜላ ስርሖም ኣብ ምዕባይን ልውውጥ ልምዲ ኣብ ምግባርን ልዑል ኣበርክቶ ኣለዎም ኢሎም።
ከምኡ እውን ጥዕና ዘለዎ ርክብ እቲ ሕብረተሰብ ብምዕባይ ኣብ ህንፀት ሰላም ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ተዛሪቦም።
ኣብቲ ክልል ኣብ ተመሳሳሊ ወቕቲ ዝሓለፈ ዓመት ብዝተሳለጡ ስራሕቲ ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ልዕሊ 8 ሚልዮን ወለንታውያን ብምውፋር ልዕሊ 14 ቢልዮን ብር ወፃኢ ምትራፍ ከምዝተኽኣለ ካብቲ ቢሮ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።