መንደርን ሎጅን ኢኮ ቱሪዝም ወንጪ-ደንዲ ተፈጥሮ፣ታሪኽ፣ሓድግን ባህልን ብሓደ ተኣሳሲሩ ዝርከበሉ ዝነኣድ ከባቢ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
መንደርን ሎጅን ኢኮ ቱሪዝም ወንጪ-ደንዲ ተፈጥሮ፣ታሪኽ፣ሓድግን ባህልን ብሓደ ተኣሳሲሩ ዝርከበሉ ዝነኣድ ከባቢ እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ/ 18/2017 (ኢዜኣ) መንደርን ሎጅን ኢኮ ቱሪዝም ወንጪ-ደንዲ ተፈጥሮ፣ታሪኽ፣ሓድግን ባህልን ብሓደ ተኣሳሲሩ ዝርከበሉ ዝነኣድ ከባቢ ከምዝኾነ ኣመራርሓን ሰብ ሞያን ሚድያ ህዝብን ውልቀን ገሊፆም።
ካብ መላእ ኢትዮጵያ ዝተውፃእፅኡ ሰብ ሞያ ሚድያ ህዝብን ውልቀን ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራዊ ጉዳያት ምዝታዮም ዝዝከር እዩ።
ድሕሪ እቲ ዘተ እቶም ሰብ ሞያ ኢኮ ቱሪዝም ወንጪ-ደንዲ ጎብንዮም።
ምክትል ዋና ፈፃሚ ስራሕ ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት(ኢዜኣ) ኣይተ ፍፁምእሸት ሽመልስ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ መንደርን ሎጅን ኢኮ ቱሪዝም ወንጪ-ደንዲ ተፈጥሮ፣ታሪኽ፣ሓድግን ባህልን ብሓደ ተኣሳሲሩ ዝርከበሉ ዝነኣድ ከባቢ እዩ።
ሃገር ዘለዋ ፀጋ ብኣግባቡ ናይ ምልማዕ፣ምሕላውን ምፅናሕን ስራሕ ብግልፂ ዘርኣየ ከባቢ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።
መንደርን ሎጅን ወንጪ-ደንዲ ኢኮ ቱሪዝም ምስቲ ማሕበረሰብ ዝተኣሳሰረ ዝነኣድ መባፅሒ ቱሪስት ምዃኑ ምዕዛቦም ሓቢሮም።
መራኸብቲ ሓፋሽ እዚ ስራሕ ኣብ ምልላይ እጃሞም እናተዋፅኡ ዋላ ኳ እንተኾነ ብዝበለፀ ክሰርሑ ትፅቢት ይግበረሎም ኢሎም።