መንደርን ሎጅን ኢኮ ቱሪዝም ወንጪ-ደንዲ ተፈጥሮ፣ታሪኽ፣ሓድግን ባህልን ብሓደ ተኣሳሲሩ ዝርከበሉ ዝነኣድ ከባቢ እዩ



 

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ/ 18/2017 (ኢዜኣ) መንደርን ሎጅን ኢኮ ቱሪዝም ወንጪ-ደንዲ ተፈጥሮ፣ታሪኽ፣ሓድግን ባህልን ብሓደ ተኣሳሲሩ ዝርከበሉ ዝነኣድ ከባቢ ከምዝኾነ ኣመራርሓን ሰብ ሞያን ሚድያ ህዝብን ውልቀን ገሊፆም።

ካብ መላእ ኢትዮጵያ ዝተውፃእፅኡ ሰብ ሞያ ሚድያ ህዝብን ውልቀን ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(/) ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራዊ ጉዳያት ምዝታዮም ዝዝከር እዩ።

ድሕሪ እቲ ዘተ እቶም ሰብ ሞያ ኢኮ ቱሪዝም ወንጪ-ደንዲ ጎብንዮም።

ምክትል ዋና ፈፃሚ ስራሕ ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት(ኢዜኣ) ኣይተ ፍፁምእሸት ሽመልስ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ መንደርን ሎጅን ኢኮ ቱሪዝም ወንጪ-ደንዲ ተፈጥሮ፣ታሪኽ፣ሓድግን ባህልን ብሓደ ተኣሳሲሩ ዝርከበሉ ዝነኣድ ከባቢ እዩ።

ሃገር ዘለዋ ፀጋ ብኣግባቡ ናይ ምልማዕ፣ምሕላውን ምፅናሕን ስራሕ ብግልፂ ዘርኣየ ከባቢ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።

መንደርን ሎጅን ወንጪ-ደንዲ ኢኮ ቱሪዝም ምስቲ ማሕበረሰብ ዝተኣሳሰረ ዝነኣድ መባፅሒ ቱሪስት ምዃኑ ምዕዛቦም ሓቢሮም።

መራኸብቲ ሓፋሽ እዚ ስራሕ ኣብ ምልላይ እጃሞም እናተዋፅኡ ዋላ እንተኾነ ብዝበለፀ ክሰርሑ ትፅቢት ይግበረሎም ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም