ኢትዮጵያዊ ሓድነት ኣብ ምጥንኻር ጠመተ ዝገበረ ሃገራዊ ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ኣብ እዋን ክራማት ክሳለጥ እዩ


 

ኣዳማ/ሰነ /
18/2017 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያዊ ሓድነት ኣብ ምጥንኻር ጠመተ ዝገበረ ሃገራዊ ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ኣብ እዋን ክራማት ከምዝሳለጥ ሚኒስትር ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራውን ኤርጎጌ ተስፋዬ (/) ኣፍሊጠን።

እቲ ሚኒስቴር ኣብ ዝተዋደዱ ስራሕቲ ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ክረምቲ 2017 / ዝጠመተ ዘተ ኣብ ከተማ ኣዳማ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ኣሳሊጡ።

ሚኒስትር ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራውን ኤርጎጌ ተስፋዬ (/) ኣብዚ እዋን፤ ኣብ ናይ ሎሚ ዘበን መበል 4 ዙር ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ክራማት 52 ሚልዮን ዜጋታት ተጠቀምቲ ንምግባር ከምዝተተለመ ሓቢረን።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኣብ መላእ እታ ሃገር 31 ሚልዮን ወለንታውያን ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ኣገልግሎት ከምዝሳተፉ ብምግላፅ፤ እቲ ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ እውን ኣብ ኢትዮጵያዊ ሓድነት ትኹረት ገይሩ ክሳለጥ እዩ ኢለን።

እቲ መርሃ ግብሪ ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ክረምቲ፤ሰናይነት ንልዕልና ኢትዮጵያኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሕሳብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ብዘጠናኽሩ ስራሕቲ ከምዝሳለጥ ኣረዲአን።

እቲ ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ካብ ፌዴራል ክሳብ ክልል ብዝተወደበ መልክዑ ከምዝሳለጥ ብምሕባር፤ እቲ ስራሕ ነባር ሃገራዊ ፀጋታት ብምጥንኻር ንሃገራዊ ሰላምን ሓድነትን ትኹረት ዝህብ ከምዝኾነ እውን ተዛሪበን።

ቁፅሪ ዜጋታት ወሃብቲ ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ካብ እዋን ናብ እዋን እናወሰኸ ከምዝመፀ ዝገለፃ እተን ሚኒስትር፤ ኣብዚ ክረምቲ እውን ትካላዊ ምውዳድ ብምፍጣር ተረባሕነት እቲ ህዝቢ ንምርግጋፅ ክስራሕ እዩ ኢለን።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ፤ ስራሕቲ ሓምለዋይ ኣሰር፣ልገሳ ደም፣ህንፀት ሰላም ሃገር፣ሕድሳትን ፅገናን ኣባይቲ ዓቕሚ ዘይብሎም ወግናት፣ጥዕናን ትምህርትን ከምዝሳለጡ ሓቢረን።

ኣብቲ መድረኽ፤ ካብ ፌዴራልን ኩሎም ክልላትን ዝተውፃእፅኡ መዳርግቲ ኣካላትን ሓለፍቲ ስራሕን ይሳተፉ ኣለዉ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም