ኢትዮጵያ ኣብ ዝኸበሩን ዝማዕበሉን ባህላዊ ሃፍትታታ ዘጋጥምዋ ፀገማት ብጥበብ እናተሻገረት ዝመፀት ሃገር እያ-ሚኒስትር መሀመድ እድሪስ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ኣብ ዝኸበሩን ዝማዕበሉን ባህላዊ ሃፍትታታ ዘጋጥምዋ ፀገማት ብጥበብ እናተሻገረት ዝመፀት ሃገር እያ-ሚኒስትር መሀመድ እድሪስ

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ/ 18/2017 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ኣብ ዝኸበሩን ዝማዕበሉን ባህላዊ ሃፍትታታ ዘጋጥምዋ ፀገማት ብጥበብ እናተሻገረት ዝመፀት ወናኒት ታሪኽ ሃገር ከምዝኾነት ሚኒስትር ሰላም መሀመድ እድሪስ ገሊፆም።
ኣቦታት ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ብዝኸበሩን ዝማዕበሉን ባህላዊ ፀጋታት ሰላም ኢትዮጵ ናይ ምፅናዕ ሓላፍነት ከምዘለዎም ኣረዲኦም።
ሚኒስቴር ሰላም”ማሕበራዊ ሃፍትታትና ንሕብረ ብሄራዊ ሓድነትና” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ሃገራዊ መድረኽ ዘተ ዓበይቲ ዓዲ፣ኣቦታት ሃይማኖት፣መራሕቲ ዓሌትን መራሕቲ ትካላት ሰላምን ምክያድ ጀሚሩ።
ኣብቲ ኣብ ኣካዳሚ ልህቀት ኣመራርሓ ኣፍሪካ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ንክልተ መዓልትታት ዝፀንሕ መድረኽ፤ ዋና ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ፕሮፌሰር መስፍን ኣርዓያ፣ኣባላት ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ርክብ ወጻእን ሰላምን ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ፣ካብ ኩሎም ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ዝተውፃእፅኡ ኣቦታት ሃይማኖት፣ዓበይቲ ዓዲ፣ኣባ ገዳታትን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።
ሚኒስትር ሰላም መሀመድ እድሪስ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ወናኒት ታሪኽ ነዊሕ ግዜን መንበሪት ብዝሃን ዝኾነት ዓባይ ሃገር እያ።
ኢትዮጵያ ኣፈላላይ ብኣግባቡ ብምትእንጋድ ዘጋጥምዋ ፀገማት ብጥበብ እናተሻገረት ዝመፀት ሃገር ከምዝኾነት ወሲኾም ሓቢሮም።
ኣብ ኣፍሪካ እውን ልኣላዊነታን ነፃነታን ብምሕላው መርኣያ ምስረታ ዘበናዊ ሃገረ መንግስቲ ከምዝኾነት ተዛሪቦም።