ትጉህ ጋዜጠኛ ካብ ዝተውሃቦ ሓበሬታ ወሲኹ ዝርእን ንብሄራዊ ረብሓ ጠጠው ዝብልን እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ትጉህ ጋዜጠኛ ካብ ዝተውሃቦ ሓበሬታ ወሲኹ ዝርእን ንብሄራዊ ረብሓ ጠጠው ዝብልን እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ/ 18/2017(ኢዜኣ) ትጉህ ጋዜጠኛ ካብ ዝተውሃቦ ሓበሬታ ወሲኹ ዝርኢ፣ንብሄራዊ ረብሓ ጠጠው ዝብልን ንክስን ወቐሳን ዘይሃፀፀን ክኸውን ከምዘለዎ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ካብ ሚድያታት ህዝብን ውልቀን ዝተውፃእፅኡ ሰብ ሞያ ዘትዮም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዚ እዋን ካብቶም ሰብ ሞያ ንዝተልዓልሎም ሕቶታት ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ፤ ሓቂ ክልተ መልክዕ ከምዘለዎን ፍፁማውን ኣንፃራውን ከምዝኾኑን ሓቢሮም።
ሚድያ ውግንንኡ ብሄራዊ ረብሓ ዘቐደመ ኣንፃራዊ ሓቂ ክኸውን ከምዝግባእ እውን ኣብራህሪሆም።
ኣብ ዘበነ ድሕረ ሓቅን ዲጂታልን ሓቂ ምምፃእ ፈታኒ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ዝኾነ ስልኪ ዘለዎ ሰብ ዝደለዮ ዝዛረበሉ ዘበን ስለዝኾነ ሚድያ እዚ ብምትዕራቕ ንሕብረተሰብ ከንቅሕ ከምዝግባእ ተዛሪቦም።
ሰብ ብተፈጥርኡ ሰናይ ሰናዩ ምርኣይ ኣይደልን ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ነዚ ድማ እንፅሕፍን እንዛረብን ሰባት ሎሚ ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ፅባሕ ወለዶ እውን ከምነጥፍእ ክንሓስብ ኣለና ኢሎም።
“ኣብ ሽርሒ ጠመተ ዝገበረ ስራሕ ሱር የብሉን ኣይፀንሕን እውን”ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ፤ ናይ ሚድያ ሰባት ብትምህርቶምን ልምዶምን ዝነቕሑ ክኾኑ ከምዘለዎም ሓቢሮም።
ትጉህ ጋዜጠኛ ካብ ዝተውሃቦ ሓበሬታ ወሲኹ ዝርኢ፣ ንብሄራዊ ረብሓ ጠጠው ዝብልን ንክስን ወቐሳን ዘይሃፀፀን ከምዝኾነ እውን ኣረዲኦም።
ብተፃራሪ ድማ ሰነፍ ጋዜጠኛ ካብቲ ዝሰምዖ ዘይሓልፍ ፣ንድምዳመ፣ክስን ወቐሳን ዝሃፅፅ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ጋዜጠኝነት ዝሕለቐሉ ሃገርን ባህልን ከምዘለዎ እውን ፀሪሖም።
ጋዜጠኝነት ካብ ዝዝረቦምን ዝሰምዕዎን ብተወሳኺ ካሊእ ፈቲሾም ምርኣይ እንተዘይክኢሎም ጥፍኣት የምፅእ እዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ንቐፉና፣ሕተቱና ግና ኣይትሓሽዉ ክብሉ እውን መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።