ጉዳይ ተመዛበልቲ ብሰላማውን ሕጋውን መንገዲ ንምምላስ እናተሰርሐ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ጉዳይ ተመዛበልቲ ብሰላማውን ሕጋውን መንገዲ ንምምላስ እናተሰርሐ እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ/ 17/2017 (ኢዜኣ) ጉዳይ ተመዛበልቲ ዘላቒ ሓባራዊ ተረባሕነትን ሓድነትን እቲ ህዝቢ ብዘረጋግፅ መልክዑ ብሰላማውን ሕጋውን መንገዲ ንክፍታሕ ሓባራዊ ቅዋም ብምሓዝ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ላዕለዎት ኣመራርሓ መንግስቲ ገሊፆም።
መንግስቲ ፌዴራል ስምምዕ ሰላም ፐሪቶሪያ ተግባራዊ ብምግባር ተመዛበልቲ ናብ መንበሪኦም ንክምለሱ ከምኡ እውን ሕቶ መንነትን ምምሕዳርን ዘለዎም ከባብታት ብሰላማዊ መንገዲ ዕልባት ንክረኽቡ ብትኹረት እናሰርሐ እዩ ዝርከብ።
ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣረጋ ከበደን ኣማኻሪ ሚኒስትር ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪካ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ጌታቸው ረዳን ኣብ ከተማ ሑመራ ኣብ ጉዳይ ሕቶ መንነት ወልቃይት ፀገዴን ምምላስ ተመዛበልትን ኣመልኪቶም ምስ ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ዘትዮም።
ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣረጋ ከበደ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ዋላ ኳ ተመዛበልቲ ብሓይሊ ንምምላስ ዝፍትን ሓይሊ እንተሃለወ ንሕና ግና ብሰላማውን ሕጋውን መንገዲ ንክምለሱ ፅኑዕ ቅዋም ከምዘለና ማሕበረሰብ ዓለም ሓዊሱ ኩሉ ኣካል ክፈልጦ ይግባእ።
ሕቶ መንነትን ዓርሰ ምሕደራን ዘለዎም ከባብታት ብዝምልከት ብመንግስቲ ፌዴራል ኣቢሉ ንዝሓለፉ ዓመታት ምስ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ብርክት ዝበሉ ዘተታት እናተገበሩ ከምዝፀንሑ ብምዝኽኻር፤ ብዕምቆት ክዝተየሉ ዝፀንሐ ጉዳይ መንነትን ወሰን ምምሕዳርን ወልቃይት ፀገዴን ምምላስ ተመዛበልትን ዝምልከት እቲ ሓደ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ሰላማዊ ኣማራፂ ንሓድነትን ዘላቒ ረብሓን ህዝብታት ወሳኒ መንገዲ ከምዝኾነ እውን ፀሪሖም።
ኣማኻሪ ሚኒስትር ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪካ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብግደኦም፤ ሓባራዊ ዕድልን ተረባሕነትን እቲ ህዝቢ ማእኸል ዝገበረ ስራሕ ምስራሕ ግድን እዩ ኢሎም።
ካብ ነበር ኣመራርሓ ህወሓት ሕቶ መንነት ወልቃይት ፀገዴ ካብ ምሽፍፋን ብዝሓለፈ ተመዛበልቲ ብሓይሊ ክንምልስ ኣለና ብዝብል ኲናት ዝቕስቅሱ ከምዘለዉ እውን ሓቢሮም።
ቀንዲ ዛዕባ ህዝቢ ትግራይ ሰላም እዩ ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው፤ እቲ ህዝቢ ካብ ኣመራርሓ ነበር ህወሓት ፈሊኻ ምርኣይ ከምዝግባእ ኣረዲኦም።
ሕቶ መንነትን ወሰን ምምሕዳርን ወልቃይት ፀገዴ ሕጋዊ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ እቲ ሕቶ ብሰላማዊ መንገዲ ንክፍታሕ ኩላትና ክንሰርሕ ይግባእ ክብሉ እውን ገሊፆም።
መንእሰይ ትግራይ ዳግማይ ግዳይ ኲናት ክኸውን ከምዘይደሊ ብምሕባር፤ ቅድሚ ሕዚ ብስሕተት ብዝተኣተወ ኲናት ዝበፅሐ ኪሳራ ከምዘምሃሮ ተዛሪቦም።
ስለዝኾነ እውን ቅድሚ ሕዚ ዝነበሩ በደላት ብምሕካም ንዝሓሸ መፃኢ ግዜ ምስራሕን ምዝታይን የድሊ ኢሎም።
ተመዛበልቲ እውን ብሰላማዊ መንገዲ ንክምለሱ ምስራሕ ካብ ኹሉ ትፅቢት ከምዝግበር ፀሪሖም።
ኣመሓዳሪ ዞባ ወልቃይት ፀገዴ ሰቲት ሑመራ ኣሸተ ደምለውን ምክትል ኣመሓዳሪ እቲ ዞባ ኮሎኔል ደመቀ ዘውዱን፤ ጉዳይ ሕቶ መንነትን ምምላስ ተመዛበልትን ብሕጋውን ሰላማውን መንገዲ ጥራሕ ንክፍታሕ ኢና ንደልዮ ኢሎም።
ነዚ ድማ ሰላማዊ ዘተ ተጠናኺሩ ክቕፅልን ኣብ ዘላቒ መፍትሒ ምብፃሕን ከምዝግባእ ተዛሪቦም።