ህንፀት ሰላምን ምትእስሳር ህዝብን ንምሕያል ዝዓለመ ምልዕዓል ቋንቋን ባህልን ክካየድ እዩ-ሚኒስቴረ ባህልን ስፖርትን - ኢዜአ ትግርኛ
ህንፀት ሰላምን ምትእስሳር ህዝብን ንምሕያል ዝዓለመ ምልዕዓል ቋንቋን ባህልን ክካየድ እዩ-ሚኒስቴረ ባህልን ስፖርትን

አዳማ/ ሰነ/ 17/2017(ኢዜአ)፡- ህንፀት ሰላምን ምትእስሳር ህዝብን ንምሕያል ዝዓለመ ምልዕዓል ቋንቋን ባህልን ካብ ሓምለ 1/2017/ዓ/ም ጀሚሩ ንስለስተ ወርሒ ክካየድ ምኹኑ ሚኒስቴረ ባህልን ስፖርትን ኣፍሊጡ ።
እቲ ሚኒስቴር '' ብልፅግና ባህሊ ንህንፀት ሃገረ መንግስቲ''ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ሃገር ለኸ ሰነድ ሜላ መፈፀሚ ምልዕዓል ቋንቋን ባህልን ዘተኮረ ዘተ ምስ ኣካላት ሰብ ብፂሒት ኣብ ከተማ ኣዳማ ኣሳሊጡ ።
ኣብ እቲ መድረኸ ዝተረኸቡ ሚኒስትር ድኤታ ባህልን ስፖርትን ነፊሳ አልመሀዲ፤ከምዘፍለጥዎ ካብ ሓምለ 1/2017/እስጋብ መስከረም 30/2018 ዝፀንሕ ሃገር ለኸ ምልዕዓል ቋንቋን ባህልን ክካየድ እዩ።
ዕላማ ምልዕዓል ብዝሀ ባህልን ቋንቋን ንልምዓት ማህበራዊ፤ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካዊን ዘለዎ ታራ ንምዕባይ ምኹኑ ፀሪሖም ።