ልዕሊ 61 ሽሕ ነበር ዕጡቓት ናብ ሕብረተሰቦም ተሓዊሶም እዮም-ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ


 

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ /17/2017 (ኢዜኣ) ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ልዕሊ 61 ሽሕ ነበር ዕጡቓት ስልጠና ተሃድሶ ወሲዶም ናብ ሕብረተሰቦም ከምዝተሓወሱ ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ገሊፁ።

እቲ ኮሚሽን ምስ መንግስቲ ስዊድን ብምትሕብባር ካብ ክልላት ትግራይ፣ኦሮሚያ፣ኣምሓራ፣ዓፋርን ቤኒሻንጉል ጉሙዝን ንዝተውፃእፅኡ መዳርግቲ ኣካላት ስልጠና ኣሰልጠንቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምሃብ ጀሚሩ።

እቲ ንሰለስተ መዓልትታት ዝፀንሕ ስልጠና፤ ኣብ ዳግማይ ምጥያሽ ዕጡቓት፣ኢንተርፕርነርሺፕን ፈጠራ ስራሕን ጠመተ ዝገበረ እዩ።

ኮሚሽነር ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ተመስገን ጥላሁን ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ እቲ ኮሚሽን ነበር ዕጡቓት ናብ ሕብረተሰቦም ኣብ ምሕዋስ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ኣሳሊጡ እዩ።

ምክትል ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽንን ሰራዊት ምክልኻል ብምውካል እቲ ፕሮግራም ኣብ ምትሕብባር ዝርከቡን ብርጋዴር ጀነራል ደርቤ መኩሪያ ብግደኦም፤ እቲ ኮሚሽን ስርሑ ካብ ዝጅምር ጀሚሩ 61 ሽሕ ነበር ዕጡቓት ተሃድሶ ንክወስዱ ብምግባር ናብ ማሕበረሰቦም ምሕዋስ ከምዝኸኣለ ገሊፆም።

ኣብዚ ስራሕ ንዝሳተፉ ዘለዉ ኣካላት እውን ኣመስጊኖም።

ነበር ዕጡቓት ናብ ማሕበረሰቦም ምሕዋስን ምጥያሽን ህንፀት ሰላም ውፅኢታዊ ኣብ ምግባር ዓብይ እጃም ኣለዎ ኢሎም።

እቲ ኮሚሽን እቶም ዕጡቓት ብቀዋሚነት ስራሕ ፈጢሮም ናብ መፍረያይ ሂወቶም ንክምለሱ ኣድላይ ስራሕቲ እናሰርሐ ከምዝርከብ ተዛሪቦም።

እቲ ሎሚ ዝተጀመረ ስልጠና እውን ንፈጠራ ዕድል ስራሕን ዕጡቓት ዝተረጋግዐ ሂወት ንክመርሑን ዓብይ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ኣረዲኦም።

ኣብ ቀፃሊ እውን ስራሕቲ ናብ ማሕበረሰብ ምሕዋስን ምጥያሽን ካልኦት ነበር ዕጡቓት ከምዝሳለጡ ሓቢሮም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም