ካብ ዓውዲ ቱሪዝም ዝርከብ ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ንምዕባይ ብቴክኖሎጂ ዝድገፍ ስርዓተ ሓበሬታ ምስፋሕ ይግባእ-ሚኒስትር ቱሪዝም ሰላማዊት - ኢዜአ ትግርኛ
ካብ ዓውዲ ቱሪዝም ዝርከብ ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ንምዕባይ ብቴክኖሎጂ ዝድገፍ ስርዓተ ሓበሬታ ምስፋሕ ይግባእ-ሚኒስትር ቱሪዝም ሰላማዊት

ኣዲስ ኣበባ/ ሰነ/16/ /2017 /ኢዜኣ/ ካብ እቲ ዓውዲ ዝርከብ ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ንምዕባይ ብቴክኖሎጂ ዝድገፍ ስርዓተ ሓበሬታ ምስፋሕ ይግባእ ክብላ ሚኒስትር ቱሪዝም ሰላማዊት ካሳ ገሊፀን ፡፡
ብኮሚሽን ቱሪዝም ኦሮሚያ ዝተዳለወን ኣብ ቱሪዝምን ቴክኖሎጂን ትኹረት ዝገበረ ፎረም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስላጥ ጀሚሩ።
ሚኒስተር ሰላማዊት ካሳ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ዘመሓላለፍኦ መልእኽቲ÷ ቀንዲ ፍልፍል ኢኮኖሚ ተባሂሎም ካብ ሞንጎ ዝተፈለዩ እቲ ሓደ ምዃኑ ኣረዲኤን፡፡
ኢትዮጵያ ብዙሓት ተፈጥሮኣውን ሰብ ስራሕን ሃፍቲን ባህላዊ ክብርታትን ዋላ ይሃልዋ ካብቲ ዓውዲ እትረኸቦ ዘላ ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ግን ከም እቲ ዝድለ ኣይኮነን ።
ይኹን እምበር ድሕሪ ለውጢ መንግስቲ ኣብቲ ዓውዲ ፍሉይ ትኹረት ሓደሽቲ መባፅሕቲን ብምልማዕ፣ ነባራት ንምሕዳስ ከምኡ እውን እቲ ዓውዲ ናይ ምዝማን ስራሕ ተኻይዱ።
ትርጉም ዘለዎ ስራሕ ምምፃእ ዝተባብዕ ውፅኢት ንኽምዝገብ ዘኽአለ ኹነታት ተፈጢሩ ዝበላ እተን ሚኒስትር፤ እቲ ዓውዲ ካብ ዝረኽቦ ረብሓ ዓሚቕ ሃፍቲ ሕዚ እውን ብዙሓት ስራሕቲ የድልይ ኢለን፡፡
ብፍላይ ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈ ስርዓት ሓበሬታ ብምስፋሕ ኣብ ዓውዲ ቱሪዝም ዝርከቡ ረብሓ ኢኮኖሚ ክውስኽ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡
ሎሚ ብዕሊ ዝተጀመረ ንኸልተ ማዕልትታት ዝካየድ እዚ ፎረም ብቐንዱ ኣብ ዘፈር ቱሪዝም ተግባራዊ እናተገበሩ ዘለዉ ቴክኖሎጂታት ዝፋልጡሉ ተሞክሮ ዝርከበሉ ነቲ ዘፈር ናብ ዝላዓለ ብራኸ ንምስግጋር ዝሕግዙ ምይይጣት ዝካየደሉ ከምዝኾነ ኣብሪሀን ።