ዩኒቨርሲቲ መቐል ዘሰልጠኖም ልዕሊ 2 ሽሕን 300 ተምሃሮ ኣመሪቑ - ኢዜአ ትግርኛ
ዩኒቨርሲቲ መቐል ዘሰልጠኖም ልዕሊ 2 ሽሕን 300 ተምሃሮ ኣመሪቑ

መቐለ/ሰነ /14/2017 (ኢዜኣ) ዩኒቨርሲቲ መቐለ ብዝተፈላለዩ ዓውድታ ትምህርቲ ብቀዳማይ፣ካልኣይ ድግሪን ሳልሳይ ዲግሪን ዘምሃሮም ልዕሊ 2 ሽሕን 300 ተምሃሮ ኣመሪቑ።
ፕሬዚዳንት እቲ ዩኒቨርሲቲ ፋና ሓጎስ(ዶ/ር) ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ተረኺበን ከምዝበልኦ፤ ናይ ሎሚ ተመረቕቲ ተምሃሮ ካብ ዝኾነ ይኹን ንላዕሊ ህዝብን ሃገርን ብትግሃት፣ብቕንዕናን ተኣማንነትን ንምግልጋል ክዳለዉ ኣለዎም።
ዩኒቨርሲቲ መቐለ ካብ ምምሃርን ምስትምሃርን ብተወሳኺ ኣብ መፅናዕትን ምርምርን ብምስራሕ ንዝለዓለ ውፅኢት ከምዝበቕዐ ብምሕባር፤ እዚ ድማ ብዝተጠናኸረ መልክዑ ከምዝቕፅለሉ ኣረጋጊፀን።
እቶም ተመረቐቲ ብግደኦም፤ ኣብ ዝነበሮም ናይ ትምህርቲ ፃንሒት ዝቐሰምዎ ፍልጠት ናብ ተግባር ብምቕያር ሃገሮምን ህዝቦምን ንምግልጋል ድሉዋት ምዃኖም ገሊፆም።
ሽቶ ፍልጠት ሃገርን ህዝብን ምግልጋል ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ፈጠርቲ ስራሕ ብምዃን ንካልኦት መናእሰይ እውን መርኣያ ንምዃን ከምዝሰርሑ ተዛሪቦም።
ብካልእ ዜና ዩንቨርስቲ ዓዲግራት ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ትምህርቲ ዘሰልጠኖም ተምሃሮ ሎሚ ኣመሪቑ ኣሎ።
ዩንቨርስቲ ዓዲግራት ንመበል 11 ግዘ ብቅድመን ድህረን ምረቓ ዘምሃርዎም 1 ሺሕን 357 ተምሃሮ ኢዩ ኣመሪቑ።
እቶም ምሩቓን ብ33 ዓይነታት ትምህርቲ ብስሩዕ፣ ክረምቲን ምሸታዊን ፕሮግራማት ዝተምሃሩ እዮም ።