ሃረማያ ዩኒቨርሲቲ ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ትምህርቲ ዘሰልጠናም ተምሃሮ ኣመሪቑ - ኢዜአ ትግርኛ
ሃረማያ ዩኒቨርሲቲ ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ትምህርቲ ዘሰልጠናም ተምሃሮ ኣመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ/ ሰነ/14/2017/ኢዜኣ/ዩኒቨርሲቲ ሃረማያ ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ትምህርቲ ዘሰልጠኖም ልዕሊ 3 ሺሕ ተምሃሮ ኣመሪቑ።
ኣብ እቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ኣካቢ ቦርድ እቲ ዩንቨርስቲን ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ግብርናን እያሱ ኢልያስ(ፕ/ር)ን ዓለም ለኸ ተመራማሪ ግብርና ገቢሳ ኤጄታን (ፕ/ር) ሓዊሱ ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ስድራ ተመረቕቲን ተረኺቦም።
እቲ ዩንቨርስቲ ንመበል 70 ዙር ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ዲግሪ ዘሰልጠኖም 3 ሺሕን 295 ተምሃሮ ኢዩ ኣመሪቑ።