ሃረማያ ዩኒቨርሲቲ  ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ትምህርቲ ዘሰልጠናም ተምሃሮ ኣመሪቑ



 

ኣዲስ ኣበባ/ ሰነ/14/2017/ኢዜኣ/ዩኒቨርሲቲ ሃረማያ ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ትምህርቲ ዘሰልጠኖም ልዕሊ 3 ሺሕ ተምሃሮ ኣመሪቑ።

ኣብ እቲ ስነ ስርዓት  ምረቓ ኣካቢ ቦርድ እቲ ዩንቨርስቲን ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ግብርናን እያሱ ኢልያስ(/) ዓለም ለኸ ተመራማሪ ግብርና ገቢሳ ኤጄታን (/) ሓዊሱ ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ስድራ ተመረቕቲን ተረኺቦም።

እቲ ዩንቨርስቲ ንመበል 70 ዙር ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ዲግሪ ዘሰልጠኖም 3 ሺሕን 295 ተምሃሮ ኢዩ ኣመሪቑ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም