ሙሩቓት ስራሕ ብምፍጣር ዓርሶም ካብ ምድጋፍ ብተወሳኺ ኣብ ልምዓትን ዕቤትን ሃገር እውን እጃሞም ክዋፅኡ ይግባእ





 

ጂንካ/ሰነ/ 14/2017 (ኢዜኣ) ሙሩቓት ኣብ ናይ ዩኒቨርሲቲ ፃንሒቶም ዝቐሰምዎ ፍልጠት ተጠቒሞም ስራሕ ብምፍጣር ዓርሶምን ቤተሰቦምን ካብ ምድጋፍ ብተወሳኺ ኣብ ልምዓትን ዕቤትን ሃገር እውን እጃሞም ክዋፅኡ ከምዝግባእ ተገሊፁ።

ዩኒቨርሲቲ ጂንካ ብዝተፈላለዩ ዓውድታ ትምህርቲ ዘሰልጠኖም 851 ተምሃሮ ቅድመ ምረቓን ድሕረ ምረቓን ሎሚ ኣመሪቑ።

ምክትል ኣካቢ ቦርድ ኣመራርሓ ስራሕ እቲ ዩኒቨርሲቲ  ፕሮፌሰር ኣሰፋ ኣስማረ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምረቓ ተረኺቦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ሙሩቓት ኣብ ናይ ዩኒቨርሲቲ ፃንሒቶም ብዝቐሰምዎ ፍልጠት ኣብ ተግባር ብምውዓል ንለውጢ ክሰርሑ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ብፍላይ ድማ ስራሕ ብምፍጣር ዓርሶምን ቤትሰቦምን ካብ ምድጋፍ ብተወሳኺ ኣብ ልምዓትን ዕቤትን ሃገር እውን እጃሞም ክዋፅኡ ኣለዎም ኢሎም።

ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ጂንካ ዮሐንስ ይትባረክ (/) ብግደኦም፤ እቲ ዩኒቨርሲቲ ስምብራት ትምህርቲ ምፅጋን ዘኽእሉ ውፅኢታዊ ስራሕቲ እናሳለጠ ከምዝፀንሐ ሓቢሮም።

ተምሃሮ ብቑዕ፣ተወዳዳርን ኣፍረይቲ ዜጋን ዝኾንሉ ዓቕሚ ንምፍጣር ከምዝሰርሐ እውን ገሊፆም።

ተመረቕቲ ተምሃሮ ካብቲ ዩኒቨርሲቲ ዝቐሰምዎ ፍልጠት ናብ ተግባር ብምቕያር ዕቤት ሃገር ንምቅልጣፍ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ እጃሞም ክዋፅኡ ከምዘለዎም ኣረዲኦም።

ግዕዝይና ብምፅያፍ ዘምሃሮም ማሕበረሰብ ብቕንዕናን ተኣማንነትን ንከገልግሉ እውን ኣተሓሳሲቦም

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም