ኣብ 11 ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2017 ካብ ንግዲ ወጻኢ ልዕሊ 7 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ተረኺቡ

 

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ /12/2017 (ኢዜኣ) ኣብ 11 ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2017 ካብ ንግዲ ወጻኢ 7 ነጥቢ 21 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበ ሚኒስቴር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ኣፍሊጡ።

መበል 38 ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ትልሚ 11 ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2017 ሚኒስቴር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ዘትዩ።

ሚኒስትር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ (/) ከምዝበልዎ፤ ኣብቲ በጀት ዓመት ኣብ ታሪኽ ንግዲ ወጻኢ እታ ሃገር ዝለዓለ ኣታዊ ተረኺቡ።

ካብ ጠቕላላ ንግዲ ወጻኢ 4 ነጥቢ 59 ቢልዮን ዶላር ንምርካብ ተተሊሙ ናብ ስራሕ ከምዝተኣተወ ብምዝኽኻር፤ ኣብ ኣፈፃፅማ ልዕሊ እቲ ትልሚ 7 ነጥቢ 21 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበ ሓቢሮም።

ኣብ መወዳእታ እቲ በጀት ዓመት ልዕሊ 8 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ከምዝርከብ ትፅቢት ይግበር እውን ኢሎም።

ኣብ 11 ኣዋርሕ እቲ በጀት ዓመት ካብ ንግዲ ወጻኢ ዝተረኸበ ምስ በጀት ዓመት 2016 እንትነፃፀር ልዕሊ 3 ነጥቢ 96 ቢልዮን ዶላር ወሰኽ ከምዘርኣየ ተዛሪቦም።

ኣብ ማክሮ ኢኮኖሚ ውፅኢታዊ ካብ ዝኾኑ ኢኮኖሚያዊ ውፅኢታት ዓውዲ ንግዲ ወጻኢ ልዑል ኣፈፃፅማ እናተመዝገበሉ ከምዝኾነ እውን ኣረዲኦም።

ኣብ ንግዲ ወጻኢ ምችው ምህዳር ምፍጣሩ፣ዝተፈላለዩ ማሕለኻታት ሕግን ኣሰራርሓን ምፍትሖም፣ምስ ለኣኽትን መዳርግቲ ኣካላትን ብዝሓሸ ምውዳድ ስለዝተሰርሐ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ልዑል ኣታዊ ምርካብ ከምዝተኽኣለ ገሊጾም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም