ቀፃሊ ክረምቲ ስሩዕን ልዕሊ ስሩዕን መጠን ዝናብ ትፅቢት ይግበር-ኢንስቲትዩት ሜትሮሎጂ ኢትዮጵያ - ኢዜአ ትግርኛ
ቀፃሊ ክረምቲ ስሩዕን ልዕሊ ስሩዕን መጠን ዝናብ ትፅቢት ይግበር-ኢንስቲትዩት ሜትሮሎጂ ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ /11/2017/ኢዜኣ/ቀፃሊ ክረምቲ ስሩዕን ልዕሊ ስሩዕን መጠን ዝናብ ትፅቢት ይግበር ክብል ኢንስቲትዩት ሜትሮሎጂ ኢትዮጵያ ገሊፁ።
ኣብዚ ቀፃሊ ክረምቲ ስሩዕን ልዕሊ ስሩዕን መጠን ዝናብ ትፅቢት ይግበር ክብሉ ምክትል ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ሜትሮሎጂ ኢትዮጵያ ኣሳምነው ተሾመ (ዶ/ር) ሓቢሮም።
ኣብ ዝቕፅሉ ኣዋርሕ ሓምለን ነሓሰን ትፅቢት ዝግበር ስሩዕን ልዕሊ ስሩዕን መጠን ዝናብ ንስራሕ ልምዓት ግብርና እቲ ሓረስታይ ልዑል ረብሓ ከምዘለዎ እውን ሓቢሮም።
እቲ ትካል ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብሓባር ብምዃን ውሕጅ ከጥቀዖም ዝኽእሉ ቦታታት ብምፍላይ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ቅድመ ምድላው እናተሳለጡ ከምዝኾኑ ብምሕባር፤ እቲ ሓረስታይ ካብ ሕዚ ጀሚሩ ጥንቃቐ ንክገብር ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ኣብ ዘበነ ፍርያት 2017/18 ዓ/ም 21 ሚልዮን ኩንታል መዳበሪያ ሓመድ ናብ ኢትዮጵያ ተጎዓዒዙ ብመሰረታዊ ማሕበራት ኣቢሉ ንሓረስታይ ንኸከፋፈል እናተገበረ እዩ ።
ትልሚ መፍረያይነት ዝራእቲ ዘበነ ፍርያት 2016/17 መበገሲ ብምግባር ዝሓሸ ልምዓት ግብርና ንምስላጥ ዘኽእል ምድላው እናተገበረ ከምዝርከብ ተፈሊጡ ኣሎ።
ተበግሶ ልምዓት ግብርና ሓረስቶት ብምዕባይ 20 ነጥቢ 43 ሚልዮን ሄክታር መሬት ብዝራእቲ ብምሽፋን ልዕሊ 650 ሚልዮን ኩንታል ፍርያት ንምእካብ ትልሚ ከምዝተትሓዘ ብሃገር ደረጃ ትልሚ ምህላዉ ኣመልኪቶም ።