ናይ ኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት ባዓል ሞያ ካሜራ ብዙአየሁ ብርሃኑ ስነ ስርዓት ቀብሩ ሎሚ ተፈፂሙ - ኢዜአ ትግርኛ
ናይ ኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት ባዓል ሞያ ካሜራ ብዙአየሁ ብርሃኑ ስነ ስርዓት ቀብሩ ሎሚ ተፈፂሙ

አዲስ አበባ/ሰነ/ 10/2017 (ኢዜአ)፦ ናይ ኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት ባዓል ሞያ ካሜራ ብዙአየሁ ብርሃኑ ስነ ስርዓት ቀብሩ ሎሚ ኣብ ጉራራ ቅዱስ ጊዮርጊስ ቤተ ክርስቲያን ተፈፂሙ ።
አይተ ብዙአየሁ ብርሀኑ መኮንን ኣብ ስራሕ እናሃለወ ብዘጋጠሞ ሃንደበታዊ ሓደጋ ብሕክምና ክሕገዝ ድሕሪ ምፅንሑ ትማሊ ንሕልፈት በቒዑ።
ናይ ኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት ብሕልፈት ህይወት ብዙአየሁ ብርሀኑ ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን እናገለፀ ፥ ንስድርኡ ፣ፈተውቱን ማሓዙትን ኩሎም ፅንዓት ይሃብኩም ኢሉ ።
ስነ-ስርዓት ቀብሩ ሎሚ ኣብ ጉራራ ቅዱስ ጊዮርጊስ ቤተ ክርስቲያን ቀትሪ ሳዓት 8 ሰበ ስልጣን መንግስቲ ስድርኡ ፣ፈተውቱን ማሓዙትን ኩሎም ኣብዝተረኸብሉ ስርዓተ ቀብሩ ተፈፂሙ ።