ናይ ኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት ባዓል ሞያ ካሜራ ብዙአየሁ ብርሃኑ ስነ ስርዓት ቀብሩ ሎሚ ተፈፂሙ




አዲስ አበባ/ሰነ/ 10/2017 (ኢዜአ) ናይ ኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት ባዓል ሞያ ካሜራ ብዙአየሁ ብርሃኑ ስነ ስርዓት ቀብሩ ሎሚ ኣብ ጉራራ ቅዱስ ጊዮርጊስ ቤተ ክርስቲያን ተፈፂሙ

አይተ ብዙአየሁ ብርሀኑ መኮንን ኣብ ስራሕ እናሃለወ ብዘጋጠሞ ሃንደበታዊ ሓደጋ ብሕክምና ክሕገዝ ድሕሪ ምፅንሑ ትማሊ ንሕልፈት በቒዑ።

ናይ ኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት ብሕልፈት ህይወት ብዙአየሁ ብርሀኑ ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን እናገለፀ ንስድርኡ ፣ፈተውቱን ማሓዙትን ኩሎም ፅንዓት ይሃብኩም ኢሉ

ስነ-ስርዓት ቀብሩ ሎሚ ኣብ ጉራራ ቅዱስ ጊዮርጊስ ቤተ ክርስቲያን ቀትሪ ሳዓት 8  ሰበ ስልጣን መንግስቲ ስድርኡ ፣ፈተውቱን ማሓዙትን ኩሎም ኣብዝተረኸብሉ ስርዓተ ቀብሩ ተፈፂሙ

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም