ድሕንነት ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ብምርግጋፅ ንህንፀቱ ኣስተዋፅኦ እናገበርና ኢና-ኣመራርሓን ኣባላትን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር - ኢዜአ ትግርኛ
ድሕንነት ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ብምርግጋፅ ንህንፀቱ ኣስተዋፅኦ እናገበርና ኢና-ኣመራርሓን ኣባላትን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ/ 8/2017(ኢዜኣ) ድሕንነት ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ብምርግጋፅ ንህንፀቱ ኣስተዋፅኦ እናገበርና ኢና ክብሉ ኣመራርሓን ኣባላትን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ገሊፆም።
ኣብ እዚ ምዕራብ መበል 3ይ ዓመት ምስረታ ሕዳሰ ኮር 404 “ሕዳሰ ብሕዳሰ ኮር” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት እናተኸበረ እዩ ዝርከብ።ኣባላት እቲ ሰራዊት እውን ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ጎብንዮም።
ኣብ ዑደቶም እውን ኣሰር መላእ ኢትዮጵያውያን ዝዓረፈሉ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኣብ መዛዘሚ ምዕራፍ ምብፅሑ ምዕዛቦም ከምዘሕጎሶም ተዛሪቦም።
ምክትል ኣዛዚ እዚ ምዕራብ ሜጀር ጄኔራል ሙላቱ ጀልዴ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኣብዚ ምዕራፍ ንክበፅሕ መላእ ኢትዮጵያውያን ዘይተሓለለ ፃዕሪ ገይሮም እዮም።
ሰራዊት ምክልኻል ህንፀት ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ጋህዲ ንክኸውን ድሕንነት እቲ ግድብ ካብ ምሕላው ጀሚሩ ትፅቢት ዝግበረሎም ኩሉ ኣስተዋፅኦ እናበርከቱ ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም።
ኣብ እዚ ምዕራብ ዋና ኣዛዚ ኮር ሪጅን ሶስት ብርጋዴር ጄኔራል ዘመኮንን ኣበራ ከምዝበልዎ፤ እቲ ሰራዊት ልኣላዊነት ኢትዮጵያ ንምሕላውን ግቡኡ ብብቕዓት ንምውፃእን ካብ ዝኾነ እዋን ብዝበለፀ ድሉው እዩ።
ሕዳሰ ኮር ሰላምን ፀጥታን ከባቢ እቲ ግድብ ንምኽባር ዝገብሮ ዘሎ ስራሕ ብኣግባቡ እናተዋፅአ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ እዚ ስራሕ ኣጠናኺሩ ክቕፅለሉ እዩ ኢሎም።
ኣብ እዚ ምዕራብ ኣባል ኮር 403 ሌተናል ኮሎኔል ፍሰሃ ጥላሁን ብግደኦም፤ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ትንፋስ መላእ ኢትዮጵያውያን ስለዝኾነ እቲ ሰራዊት ኩሉ ግዜ ሰላም እቲ ከባቢ ኣብ ምሕላው ከምዝርከብ ኣረዲኦም።
ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኣብዚ ሕዚ ዝበፅሐሉ ብርኪ ንክበፅሕ እቲ ሰራዊት ኣድላይ ኣስተዋፅኦ ከምዘበርከተ ብምሕባር፤ እዚ ግድብ ኣብዚ ብርኪ ምብፅሑ ከምዘሐጎሶም እውን ገሊፆም።
ኣብ እዚ ምዕራብ ኣባል ኮር 403 ሌተናል ኮሎኔል ቴዎድሮስ ዘመነ፤ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ መርኣያ ‘መንፈስ ይከኣል እዩ ኢትዮጵያውያን’ እዩ ኢሎም።
ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ንሃገር በረከት ኣብ ዝኾነሉ ብርኪ ብምብፅሑ ከምዝተሓጎሱ እውን ተዛሪቦም።