ኣብ ጥቓ ከተማ ጊንጪ ዝታሃንፀ ፋብሪካ ኬኛ ቢቨሬጅ ተመሪቑ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ጥቓ ከተማ ጊንጪ ዝታሃንፀ ፋብሪካ ኬኛ ቢቨሬጅ ተመሪቑ

ጊንጪ/ ሰነ/ 7/2017(ኢዜአ)፡- ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምዕራብ ሽዋ ኣብ ጥቓ ከተማ ጊንጪ ዝታሃንፀ ፋብሪካ ኬኛ ቢቨሬጅ ተመሪቑ።
ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮምያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ፣ ላዕለዎት ኣመራርሓ ፌደራልን ክልልን ካልኦት ዕዱማት ኣጋይሽን ተረኺቦም።
ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስለሰ ኩባንያ ኬኛ ቤቬሬጅስ ሎሚ መሪቆም ስራሕ ኣጀሚሮም ኣለዉ፡፡
ኣብ ዓመት ልዕሊ 3 ሚሊየን ሄክቶ ሊተር ምፍራይ ዝኽእል እቲ ኩባንያ፤ብብርኪ ዓለም ብቴክኖሎጂ ተወዳዳሪ ምዃን ከምዝኽእል ተገሊፁ።
ብኣክስዮን ማሕበር ዝተመስረተ እቲ ኩባንያ ልዕሊ 4 ሺሕ ኢትዮጵያውያን ኣክሲዮናት፣ ሕብረት ስራሕ ማሕበራትን ትካላትን ኣብ ሓደ ብምእካብ ዓቕሚ ሃገር ዘርኣየ ሃገር ቦቆል ኩባንያ ምዃኑ ተሓቢሩ፡፡
ኣብዚ ሕዚ እዋን ን250 ሰባት ዕድል ስራሕ ዝፈጠረ እንትኾን ብሙሉእ ዓቕሙ ስራሕ እንትጅምር ን1000 ሰባት ዕድል ስራሕ ከም ዝፈጥር ተሓቢሩ፡፡