መማህራን ኣብ ዘበነ ድሕረ ሓቂ ፍልጠትን ሓቅን ንክረጋገፁ ናይ ምግባር ሓላፍነት ኣለዎም-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)




 

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ/ 7/2017 (ኢዜኣ) መማህራን ኣብ ዘበነ ድሕረ ሓቂ ፍልጠትን ሓቅን ንክረጋገፁ ናይ ምግባር ወሳኒ ሓላፍነት ከምዘለዎም ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(/) ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(/) ምስ ካብ መላእ ኢትዮጵያ ዝተውፃእፅኡ መማህራን ዘትዮም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዚ ዘተ ከምዝበልዎ፤ ሕዚ ዘለናሉ ሓሶትን ጠራዕራዕን ዝነገሰሉ እዩ፤ ሓሶትን ጠራዕራዕን ድማ ዝተሰርሐ ነገር ዘፈርስ እዩ ኢሎም።

ዘበነ ድሕረ ሓቂ ዕላማን ሽቶን ዘይብሉ ካብ መዓልታዊ ምግቢ ዝሓለፈ ነገር ምርኣይ ዘይኽእል ወለዶ ምፍጣር ከምዝኾነ ብምሕባር፤ እዚ ድማ ካብ ምኽንያታዊነትን ሓቅን ስምዒታውነት ብዝበለፀ ንክጎልህ ዝገብር ከምዝኾነ ፀሪሖም።

መማህራን ኣብዚ ዘበነ ድሕረ ሓቂ ፍልጠትን ሓቅን ኣሸኒፎም ንክወፁ እጃሞም ንክዋጽኡ እውን ኣገንዚቦም።

መማህራን ታሪኽ ትማሊ ብምፈፍላጥ፣ሎሚ ብምርዳእን ፅባሕ ብምግንዛብን ዝሓሸት ኢትዮጵያ ንቐፃሊ ወለዶ ኣብ ምርካብ ርኡይ እጃም ከምዘለዎም ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያ ካብ ፀገም፣ድኽነት፣ምክፍፋልን ልመናን ንምውጻእ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ መማህራን እጃሞም ዝለዓለ ከምዝኾነ እውን ኣረዲኦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም