መንግስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላም ንክሰፍን ብዝለዓለ ቆራፅነት እናሰርሐ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)




 

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ /7/2017 (ኢዜኣ) መንግስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላም ንክሰፍን ብዝለዓለ ቆራፅነት እናሰርሐ ከምዝርከብ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(/) ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(/) ምስ ካብ መላእ ኢትዮጵያ ዝተውፃእፅኡ መማህራን ዝዘተዩ እንትኸውን መንግስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ንምርግጋፅ ዘሳልጦም ዘለዉ ስራሕቲ ኣመልኪቶም መብራህርሂ ሂቦም።

መንግስቲ ጉዳይ ሰላም ብትካል ንስራሕ ብዝብል ሚኒስቴር ሰላም ምጥያሹ ብምግላፅ፤ ካብቲ ትካል ብተወሳኺ ምስ ዕጡቓት ሓይልታት ፀገማት ንምፍታሕ ዘይሕለል ፃዕሪ ከምዝገበረ ፀሪሖም።

ይኹን እምበር መንግስቲ ንሰላም ዘቕረቦ ፃውዒት ናብ ጎኒ ብምግዳፍ ሓይሊ ከም ኣማራፂ ዝጥቀሙ ዘለዉ ኣካላት ከምዘለዉ ብምግላፅ፤ ካብ ዘተን ዝርርብን ወፃኢ ሰላም ከምፅእ ዝኽእል ካሊእ ኣማራፂ ከምዘየለ ክርድኡ ይግባእ ኢሎም።

እቲ ፃውዒት ተቐቢሎም ብሰላማዊ መንገዲ ኢዶም ንዝሃቡ ዕጡቓት ካብ ምቕባል ሓሊፉ ኣብ ውሽጢ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ተሳትፎ ንክህልዎም ኣብ ምግባር እውን መንግስቲ ንሰላም ዘለዎ ቆራፅነት ብግልፂ ከምዘርኣየ ኣረዲኦም።

ንሰላም ኢትዮጵያ ክበሃል ፀገማት ብዘተ ምፍታሕ ንዝደልን ዝሓሸ ሓሳብ ኣለኒ ንዝበለን ዝኾነ ኣካል መንግስቲ ኩሉ ግዜ በሩ ክፍቲ እዩ ክብሉ እውን ገሊፆም።

መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ፃውዒት ሰላም ንጎኒ ብምግዳፍ ሰብ ምዕጋትን ኣብያት ትምህርቲ ምዕፃውን ሓዊሱ ኣማራፂ ሓይሊ ዝጥቀሙ ሓይልታት ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ እናወሰደ ከምዝኾነ ኣፍሊጦም።

ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ መንግስቲ ንሰላም ዘለዎ ቆራፅነት ብተግባር ዘረጋገፀሉ እዩ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ሰላም የድልያ እዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ እዚ ንክኸውን ድማ መንግስቲ ብልዑል ትግሃት እናሰርሐ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ሰላም ዝደልዩ ሓይልታት ኣካል ከይዲ ህንፀት ሰላም ብምግባር ብሓባር ክንሰርሕ ኢና እውን ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም