ኣብ ህንፀት ሓባራዊ ተረኽ መማህራን እጃሞም ክዋፅኡ ኣለዎም-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)



 

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ/ 7/2017 (ኢዜኣ) ኣብ ህንፀት ሓባራዊ ተረኽ መማህራን እጃሞም ክዋፅኡ ኣለዎም ክብሉ ዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(/) ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(/) ምስ ካብ መላእ ኢትዮጵያ ዝተውፃእፅኡ መማህራን ዘትዮም።

ኣብ ዘተኦም እውን ካብቶም መማህራን ንዝተልዓሉ ሕቶታትተ ምላሽን መብራህርህን ሂቦም።

መንግስቲ ሓባራዊ ተረኽ ንምህናፅ ስትራቴጅን ትልምን ኣዳሊዉ እናሰርሐ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ መማህራን እዚ ሰናይ ስራሕ ብኣግባቡ ተረዲኦም ክድግፉ ከምዘለዎም ኣብራህሪሆም።

ሓባራዊ ተረኽ ዕዉት ንምግባር ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ኩሉ ግዜ ምዝኽኻር ከምዝግባእ ብምሕባር፤ ነዚ ድማ መማህራን ብፂሒቶም ክዋፅኡ ኣለዎም ኢሎም።

መንግስቲ ዝፀንሑ ፀገማት ብሓሙሽተ ማዕቐፋት ንምፍታሕ ከምዝወሰነ ብምግላፅ፤ ፀገማት ብዘተን ምድምማፅን ንፍታሕ ብዝብል ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ንፈለማ እዋን ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ብምጥያሽ ናብ ተግባር ምእታዉ እቲ ሓደን ቀንድን መርኣያ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

እቲ ካልኣይ ድማ ሽግግር ፍትሒ ብምጥያሽ ዝፀንሑ ፀገማት ብዘላቕነት ብይቅርታን ፍትሕን ንምፍታሕ ዝተጀመረ ስራሕ እዩ ኢሎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር እቲ ሳልሳይ ማዕቐፍ እንትገልፁ፤ ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ብምጥያሽ ነበር ዕጡቓት ተሃድሶ ወሲዶም ብሰላማዊ መንገዲ ሂወቶም ንክመርሑ ኣብ ምግባር እውን ዓብይ ስራሕ እናተሳለጠ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።

ስምብራት ኢኮኖሚ እታ ሃገር ንምፅጋን ሃገር በቆል መመሓየሺ ብዝሃ ዘፈር ኢኮኖሚ በምግባር ዓወታት ከምዝተመዝገቡ ድማ እቲ ራብዓይ ማዕቐፍ ከምዝኾነ ፀሪሖም።

ስራሕቲ ህንፀት ጠንካራ ትካላትን ምምዕባል ኣገልግሎት መንግስትን ብትኹረት እናተሳለጡ ከምዝኾኑ እውን ብኣፅንኦት ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም