መማህራን ሓቅን ፍልጠትን መለክዒ ብምግባር ኣብ ህንፀት ወለዶን ሃገርን እጃም መሪሕነቶም ከጠናኽሩ ይግባእ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)



 

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ /7/2017 (ኢዜኣ) መማህራን ሓቅን ፍልጠትን መለክዒ ብምግባር ኣብ ህንፀት ወለዶን ሃገርን እጃም መሪሕነቶም ከጠናኽሩ ከምዝግባእ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ካብ መላእ ኢትዮጵያ ዝተውፃእፅኡ መማህራን ዘትዮም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ካብቶም መማህራን ንዝተልዓሉ ሕቶታት ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ፤ መማህራን ኣብ ሓቅን ፍልጠትን መሰረት ዝገበሩ ስለዝኾኑ ሓሳቦም ንእታዎት ፖሊሲ ከምዝውዕል ሓቢሮም።

ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ፍልጠትን ሓቅን መለክዒ ንክኾኑ መማህራን ተጊሆም ክሰርሑ ከምዘለዎም ብምሕባር፤ ሕዚ ዘሎ ንምንእኣስ ዘይነበረ ቀደም ምልዓል ከምዘይግባእ ገሊፆም።

ሓቅን ፍልጠትን ፈተንትን ዋጋ ዘኽፍሉን ምዃኖም ብምግላፅ፤ ብዙሓት መንገዲ ጥፍኣት ዝኾነ ዝቐለለን ኣቋራፅን መንገዲ እዮም ዝኽተሉ ኢሎም።

ሕዚ ዘለናሉ ዘበነ ድሕረ ሓቂ ሓሶትን ጠራዕራዕን ዝነገሰሉ ዘበን እዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ዘይምስራሕ ጥራሕ ዘይኮነስ ዝተሰርሐ እውን ከምዘፍርስ ወሲኾም ኣብራህሪሆም።

ስለዝኾነ እውን መማህራን እቲ ዝኸበደን ፈታንን ዝኾነ ሓቅን ፍልጠትን ብምእላሽ ወለዶ ምሽጋርን ሃገር ምህናፅን ትፅቢት ይግበረሎም ኢሎም።

ውህብቶ መማህራን ምድካም፣ምስራሕን ሃገር ምሽጋርን ስለዝኾነ ካብ መዓልታዊ ምግቢ ሓሊፉ ምሕሳብ ዝኽእል ወለዶ ክፈጥሩ ከምዝግባእ እውን ኣረዲኦም።

መማህራን ታሪኽ ትማልን ነባራዊ ኩነታት ሎምን ጥራሕ ዘይኮነስ ብርኪ ቀፃሊ ዘበን እውን ክግንዘቡ ከምዘለዎም ተዛሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም