ኢትዮጵያ ስደተኛታት ተቐቢላ ኣብ ምትእንጋድ ተሳልጦ ዘላ ስራሕ ዝነኣድ እዩ-ኮሚሽነር ፊሊፖ ግራንዲ



 

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ/ 6/2017 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ስደተኛታት ተቐቢላ ኣብ ምትእንጋድ ተሳልጦ ዘላ ስራሕን ፃዕርን ዝነኣድ ከምዝኾነ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት መንግስትታት(ውሕመ) ፊሊፖ ግራንዲ ኣፍሊጦም።

ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ አፅቀሥላሴ ንላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት መንግስትታት(ውሕመ) ፊሊፖ ግራንዲ ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተቐቢሎም ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ኣዘራሪበምዎም።

ኮሚሽነር ፊሊፖ ግራንዲ ድሕሪ እቲ ዘተ ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ብርክት ዝበሉ ስደተኛታት ተቐቢላ ኣብ ምትእንጋድ እያ ትርከብ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን እውን ካብ ደቡብ ሱዳን፣ሱዳንን ካልኦት ሃገራትን ስደተኛታት እናተቐበለት ከምዝኾነት ሓቢሮም።

ኢትዮጵያ ስደተኛታት ተቐቢላ ኣብ ምትእንጋድ ተሳልጦ ዘላ ስራሕን ፃዕርን ዝነኣድ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ነዚ ድማ ዝግበር ደገፍ ከምዝጠናኸር ተዛሪቦም።

ብተወሳኺ እውን ኢትዮጵያ ስደተኛታት ኣብ ምቕባልን ምትእንጋድን ተሳልጦ ዘላ ሰናይ ስራሕ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ንክፈልጦን ደገፍ ንክገብርን ብትኹረት ክስራሕ እዩ ኢሎም።

ነቲ ዘተ ዝተኸታተለኦ ዋና ዳይሬክተር ኣገልግሎት ስደተኛታትን ተመለስትን ጠይባ ሀሰን ብግደኦን፤ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀሥላሴ ምስ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት መንግስትታት(ውሕመ) ፊሊፖ ግራንዲ ዝገበርዎ ዘተ ውፅኢታዊ ከምዝነበረ ገሊፀን።

ብፍላይ ድማ ኣብ ጉዳይ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ስደተኛታት ከምኡ እውን ንስደተኛታት ዝግበር ደገፍ ኣብ ዝጠናኸረሉን ተዛመድቲ ዛዕባታትን ሰፊሕ ዘተ ምግባሮም ፀሪሐን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም