ካብቲ ዋና መስመር ሓይሊ ኤሌክትሪክ ርሒቖም ዝርከቡ ዜጋታት ተጠቀምቲ ሓይሊ ንምግባር ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ውፅኢታዊ እዮም-ሚኒስቴር ማይን ኢነርጅን - ኢዜአ ትግርኛ
ካብቲ ዋና መስመር ሓይሊ ኤሌክትሪክ ርሒቖም ዝርከቡ ዜጋታት ተጠቀምቲ ሓይሊ ንምግባር ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ውፅኢታዊ እዮም-ሚኒስቴር ማይን ኢነርጅን

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ/ 6/2017 (ኢዜኣ) ካብቲ ዋና መስመር ሓይሊ ኤሌክትሪክ ርሒቖም ዝርከቡ ዜጋታት ተጠቀምቲ ሓይሊ ንምግባር ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ውፅኢታዊ ከምዝኾኑ ሚኒስትር ማይን ኢነርጅን ኢንጂነር ሀብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ሚኒስትር ማይን ኢነርጅን ኢንጂነር ሀብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር) ንኢዜኣ ከምዝገለፅዎ፤ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ካብቲ ዋና መስመር ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝረሓቑ ክፋላት ሕብረተሰብ ተጠቃሚ ሓይሊ ንምግባር ስራሕቲ ምቕራብ ኣማራፂ ሓይሊ ተሳሊጦም እዮም።
ሶላር ኢነርጂ ብመስፍሕፋሕ ብርክት ዝበሉ ክፋላት ማሕበረሰብ ተረባሕቲ ምግባር ከምዝተኽኣለ ብምሕባር፤ ትካላት ጥዕናን ትምህርትን ሓዊሱ ካልኦት ንሕብረተሰብ ኣግልግሎት ዝህቡ ትካላት ሓይሊ ምብጻሕ ተኻኢሉ እዩ ኢሎም።
ክሳብ ዝሓለፈ ዓመት እውን ልዕሊ 10 ሽሕ ዓማዊል ተረባሕቲ ሶላር ከምዝተገበረ ብምግላፅ፤ ካብቲ ዋና መስመር ዝረሓቑ ከባብታት ኣማራፂ ሓይሊ ናይ ምቕራብ ስራሕ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል እውን ሓቢሮም።
ኣብቲ ሚኒስቴር ፈፃሚ ስራሕ ልምዓትን ሽግግርን ቴክኖሎጂ ኢነርጂ ገጠር ብርሃኑ ወልዱ ብግደኦም፤ እቲ ሚኒስቴር ካብቲ ዋና መስመር ሓይሊ ርሒቖም ንዝርከቡ ክፋላት ማሕበረሰብ ኢነርጂ ሶላር ኣብ ምስፍሕፋሕ ከምዝርከብ ተዛሪቦም።
ክሳብ ሕዚ እውን ኣብ 18 ከተማታት ገጠር ምስፍሕፋሕ ከምዝተኽኣለ ብምግላፅ፤ በዚ ድማ ነበርቲ ተጠቀምቲ መብራህቲ ካብ ምግባር ብተወሳኺ ንኣናእሽቲ ቴክኖሎጂታት ማለት እውን ውፅኢታት ስራሕ ሓፂነ መፂንን ዕንፀይትን፣እንዳ መጥሓንን ካልኦት ኣገልግሎታትን እናወዓለ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።
ብተወሳኺ እውን ካብቲ ዋና መስመር ሓይሊ ርሒቖም ዝርከቡ ትካላት ሓይሊ ንክረኽቡ ኣብ ምግባር ኣብ ትካላት ጥዕናን ኣብያተ ትምህርትን ናይ ምብጻሕ ስራሕ እናተሳለጠ ከምዝርከብ ሓቢሮም።