ውፅኢታት ኣእምሮኣዊ ንብረት ግቡእ ሓለዋ ንክግበረሎም መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ተበፃሕነት ሓበሬታ ብሰፊሑ ክሰርሑ ይግባእ - ኢዜአ ትግርኛ
ውፅኢታት ኣእምሮኣዊ ንብረት ግቡእ ሓለዋ ንክግበረሎም መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ተበፃሕነት ሓበሬታ ብሰፊሑ ክሰርሑ ይግባእ

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ/ 6/2017 (ኢዜኣ) ውፅኢታት ኣእምሮኣዊ ንብረት ግቡእ ሓለዋ ተገይርሎም ኣብ ዕቤት ምጣነ ሃፍቲ ኢትዮጵያ እጃሞም ንከበርክቱ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ተበፃሕነት ሓበሬታ ብሰፊሑ ክሰርሑ ይግባእ ክብል በዓል መዚ ኣእምሮኣዊ ንብረት ኢትዮጵያ ገሊፁ።
እቲ በዓል መዚ ንሰብ ሞያ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ኣእምሮኣዊ ንብረት ዝጠመተ ስልጠና መጨበጢ ግንዛበ ሂቡ።
ምክትል ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ኣእምሮኣዊ ንብረት ኢትዮጵያ እንዳሉ ሞሲሳ ኣብ መኽፈቲ መደረ እቲ ስልጠና ከምዝበልዎ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ህንፀት ስርዓት ኣእምሮኣዊ ንብረት እጃም ትካላት ሚድያ ዝለዓለ እዩ።
ውፅኢታት ኣእምሮኣዊ ንብረት ኣብ ልምዓት ሃገር ናይ ባዕሉ ኣስተዋፅኦ ንከበርክት ብኣግባቡ ምልላይን ምምዝጋብን ከምዝግባእ እውን ሓቢሮም።
እቲ በዓል መዚ ኣብ ሓለዋ መሰላት ፓተንትን ምልክት ንግድን፣ቅዳሕን ተዛመድቲ መሰላትን ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናሰርሐ ከምዝኾነ ኣብራህሪሆም።
ኢትዮጵያ ዋላ ኳ ብርክት ዝበሉ ውፅኢታት ፈጠራ ንብረት ኣእምሮ እንተሃለውዋ እቶም ፈጠራታት ኣብ ምምዝጋብ ግና በቲ ዝድለ መጠን ኣይተሰርሐን ኢሎም።
መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ውፅኢታት ምርምርን ፈጠራን ኢትዮጵያ ተኸታታሊ ፀብፃብ ብምስራሕ እቲ ሕብረትሰብ እኹል ግንዛበ ንክህልዎ ኣብ ምግባር ብትኹረት ንክሰርሑ ሓቲቶም።
ንሰብ ሞያ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ረብሓ ስርዓት ፓተንትን ምልክት ንግድን፣ ኢኮኖሚያዊ ፋይዳ ኣእምሮኣዊ ንብረት ከምኡ እውን ኣብ ቅዳሕን ተዛመድቲ መሰላትን ዝጠመቱ መብራህርህታት ሂቦም።
ውፅኢታት ኣእምሮኣዊ ንብረት ግቡእ ሓለዋ ተገይርሎም ንዕቤት ምጣነ ሃፍቲ ኢትዮጵያ እጃሞም ንከበርክቱ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ተበፃሕነት ሓበሬታ ብሰፊሑ ንክሰርሑ እውን ሓቲቶም።