ተለዋዋጢ ኣብ ዝኾነ ነባራዊ ኩነታት ዓለም ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ኩለመዳያዊ ስራሕቲ ዲፕሎማሲ ምጥንኻር ይግባእ-ኣምባሳደር ሃደራ ኣበራ - ኢዜአ ትግርኛ
ተለዋዋጢ ኣብ ዝኾነ ነባራዊ ኩነታት ዓለም ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ኩለመዳያዊ ስራሕቲ ዲፕሎማሲ ምጥንኻር ይግባእ-ኣምባሳደር ሃደራ ኣበራ

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ/ 6/2017(ኢዜኣ) ተለዋዋጥን ዘይግመትን ኣብ ዝኾነ ነባራዊ ኩነታት ዓለም ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ኩለመዳያውን ዝተወደቡን ስራሕቲ ዲፕሎማሲ ምጥንኻር ከምዝግባእ ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኣምባሳደር ሃደራ ኣበራ ገሊፆም።
ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃእን ኢንስቲትዩት ጉዳይ ወፃእን ምስ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ርክብ ወፃእን ሰላምን ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ብምትሕብባር ንኣባላት ጉጅለታት ምሕዝነትን ፐብሊክ ዲፕሎማስን ዘዳለዎ ስልጠና ተጀሚሩ።
ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኣምባሳደር ሃደራ ኣበራ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ብሃገር ቦቆል ሪፎርም ኢኮኖሚ ሃገራዊ ልምዓትን ብልፅግናን ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር ዲፕሎማሲ ኢኮኖሚ ወሳኒ እዩ።
ስለዝኾነ እውን ንግዲ ወፃእን ኢንቨስትመንትን ንምስሓብ፣ምሕዝነት ንምጥንኻር፣ምስሊ ንምህናፅ፣ረብሓ ዜጋታት ንምኽባርን ብሄራዊ ረብሓ ሃገር ንምርግጋፅን ኩሎም ኣካላት ብሓባር ክሰርሑ ከምዝግባእ ተዛሪቦም።
ተለዋዋጥን ዘይግመትን ኣብ ዝኾነ ነባራዊ ኩነታት ዓለም ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ኩለመዳያውን ዝተወደቡን ስራሕቲ ዲፕሎማሲ ምጥንኻር ከምዝግባእ እውን ገሊፆም።
ነዚ ድማ ፖለቲካዊ፣ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ስርዓት ዓለም ዝሓቶ ሜላ ርክብ ወፃኢ ምሕንፃፅን ምኽታልን፣ምችው ኩነታት ዓለም ብጥንቃቐ ብምርኣይ ብምስትውዓል ምጉዓዝ ይግባእ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ኣብታ ኣህጉር ብመንፈስ ፓን ኣፍሪካኒዝም ሰላምን ምርግጋዕን ንክሰፍን እጃም መሪሕነታ እናተዋፅአት ከምዝኾነት ብምግላፅ፤ ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ዘኽብሩ ስትራቴጂካዊ መሓዙት ናይ ምብዛሕ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ከምዝግባእ ሓቢሮም።