ሰራዊት ምክልኻል ልኣላዊነት ሃገር ብምሕላው መንነቱ ኣመስኪሩ እዩ




 

ኣሶሳ/ሰነ 5/2017 (ኢዜኣ) ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ልኣላዊነት ሃገር ብምሕላው መንነቱ ኣመስኪሩ እዩ ክብሉ ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ እቲ ሰራዊት ኮሎኔል ጌትነት ኣዳነ ገሊፆም።

መበል 3 ዓመት ምስረታ ኮር ሕዳሰ መበል 404 እዚ ምዕራብሕዳሰ ብሕዳሰኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ ኣሶሳ ብዘተ ፓነል ይኽበር ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ፤ መበል 404 ኮር ሕዳሰ ሰላም እቲ ከባቢ ኣብ ምሕላውን ኣብ ስራሕቲ ልምዓትን ዝገብሮ ዘሎ ተሳትፎ ዝምልከት ብመማህራን ዩኒቨርሲቲ ኣሶሳ መበገሲ ፅሑፍ ቀሪቡ።

ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኮሎኔል ጌትነት ኣዳነ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ እቲ ሰራዊት ልኣላዊነት ሃገር ብምሕላው መንነቱ ኣመስኪሩ እዩ።

ብቴክኖሎጂ ዝማዕበለን ንካልኦት ሃገራት መርኣያ ክኸውን ዝኽእልን ሰራዊት እናተሃነፀ ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም።

እቲ ኮር ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ፀገም ፀጥታ ንክፍታሕ ካብ ዝኸፈሎ መስዋእቲ ብተወሳኺ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ብዘተኣማምን ኩነታት ህንፀቱ ንክሳለጥ ኣስተዋፅኦ ገይሩ እዩ ኢሎም።

ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ጌታሁን ኣብዲሳ ብግደኦም፤ እቲ ሰራዊት ብሃገሩ ዘይደራደር፣ኩርዓት ሃገርን ኣብ ሰብኣዊ ሓገዛት ጠንካራ ተሳትፎ ዘለዎን ሰራዊት ከምዝኾነ ኣረዲኦም።

እቲ ክልል ብሙሉእ ዓቕሙ ናብ ስራሕቲ ልምዓት ንክወፍር እዚ ምዕራብ ሰላም ኣብ ምሕላው ዘሕብን ገድሊ ከምዝፈፀመ ሓቢሮም።

ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ፤ እቲ ሰራዊት ኣብቲ ክልል ንዝተረኸበ ሰላም ዘበርከቶ ኣስተዋጸኦ ልዑል እዩ ኢሎም።

እቲ ሕብረተሰብ እውን ነቲ ሰራዊት ዘለዎ ክብሪ ልዑል ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ሰላም ሃገርን ሓድነት ህዝብታትን ኣብ ምሕላው ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ገሊፆም።

ኣብቲ መድረኽ፤ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ጌታሁን ኣብዲሳ፣ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ እቲ ክልል ኣስካለች ኣልቦሮ፣ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ጨንፈር እቲ ክልል ኢስሃቅ ኣብዱልቃድር፣ኣብ እዚ ምዕራብ ኣዛዚ ኮር ህዳሰ 404 ንጉሴ ለውጤ፣ኣመራርሓን ኣባላትን እቲ ሰራዊት፣ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ እቲ ክልል፣ዝተፈላለዩ ኣካላት ፀጥታ ኣብ ዝተረኸብሉ ብዘተ ፓነል ይኽበር ኣሎ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም