ሰላምን ሓድነትን ንምጥንኻር ፃዕርና ክንቕፅለሉ ኢና-ተሳተፍቲ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት





 

ባህር ዳር/ሰነ/ 5/2017(ኢዜኣ) ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅን ሓድነት ንምጥንኻርን ፃዕሮም ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅልሉ ተሳተፍቲ ኣብ ከተማ ባህር ዳር ዝሳለጥ ዘሎ መበል 3 ሃገራዊ ጉባኤ ሰላም ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ገሊፆም።

መበል 3 ሃገራዊ ጉባኤ ሰላም ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያሃይማኖታት ንሰላም፣ንምክብባርን ንሓድነትንኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ኣብ ከተማ ባህር ዳር እናተሳለጠ እዩ ዝርከብ።

ላዕለዋይ ፀሓፊ ካውንስል ኣብያት ክርስትያናት ኣመንቲ ወንጌል ቄስ ደረጀ ጀንበሩ ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ዘይምርድዳኣት ናብ ጎንፂ ንከየምርሑ እናሰርሐ እዩ ዝርከብ።

ትካላት ሃይማኖት ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅ እቲ ህዝቢ እጃሙ ንክዋፃእ እናምሃሩ ከምዝኾኑ ብምሕባር፤ ጎንፅታትን ዘይምርድዳኣትን ብምእላይ ነባር ሓድነት ንምጥንኻር እናሰርሑ ከምዝኾኑ እውን ተዛሪቦም።

ካሊእ ተሳታፊ እቲ ጉባኤ ሰላም ሊቀ ማዕምራን ሀዲስ ጤናው ብግደኦም፤ ሰላም ንደቂ ሰባት ካብ ዝኾነ ይኹን ብዝበለፀ ኣድላይ ስለዝኾነ ዝረኣዩ ፀገማት ብምዝርራብ ካብ መሰረቶም ንክፍትሑ ንህዝቢ ነምህር ኢና ኢሎም።

ሓባራዊ ዝኾነ ዘተኣሳስር ተረኽ ብምህናፅ ፀገማት ብምዝርራብን ብዘተን ንምፍታሕ ከምዝሰርሑ ዝገለፁ ካብ ክልል ድቡብ ኢትዮጵያ ዞባ ወላይታ ዝመፁ ሽማግለ ዓዲ እያሱ ገጀቦ፤ ኩሉ ተሓባቢሩን ተዋዲዱን ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅ ብሓባር ክሰርሕ ከምዝግባእ ሓቢሮም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም