ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ሹመት ምክትል ኣካብን ኣባላት ቦርድ ኣመራርሓ ስራሕን ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣፅዲቑ



 

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ/ 5/2017(ኢዜኣ) ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ሹመት ምክትል ኣካብን ኣባላት ቦርድ ኣመራርሓ ስራሕን ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣፅዲቑ።

እቲ ቤት ምኽሪ ሎሚ ኣብ ዘካየዶ መበል 36 ስሩዕ ኣኼባ ዘበነ ስራሕ 4 ዓመት ሹመት ምክትል ኣካብን ኣባላት ቦርድ ኣመራርሓ ስራሕን ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ብክልተ ድምፂ ተኣቅቦ ብኣብላጫ ድምፂ ኣፅዲቑ።

ስለዝኾነ እውን ኣይተ ተስፋዬ ንዋይ ምክትል ኣካቢ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ከምኡ እውን ኣይተ ተኽሊት ይመስልን ወይዘሮ ነሲም ዓሊን ኣባላት ቦርድ ኣመራሓ ስራሕ ገይሩ ሸይሙ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም