ብፓርላማ ዲፕሎማሲ  ብሄራዊ ረብሓ ብምሕላው ርክብ ዘጠናኸሩ ዕዉታት ስራሕቲ ተሳሊጦም እዮም

 

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ/ 5/2017(ኢዜኣ) ብፓርላማ ዲፕሎማሲ  ኣብ ዝሓለፉ 4 ዓመታት ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ብምሕላው ርክብ ዘጠናኸሩ ዕዉታት ስራሕቲ ከምዝተሳለጡ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ገሊፆም።

ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ምስ ካልኦት ሃገራት ዘለዋ ርክብ ንምጥንኻር ካብ ዘሳልጦም ስራሕቲ ፓርላማ ዲፕሎማሲ እቲ ሓደ እዩ።

ኣብቲ ቤት ምኽሪ ኣባል ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ርክብ ወፃእን ሰላምን ከምኡ እውን ኣካቢ ጉጅለ ምሕዝነት ፓርላማ ምዕራብ ኣውሮፓ ሕብረት ኣውሮፓን ኢትዮጵያን ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ከምዝበልዎ፤ ኣብ ዝሓለፉ 4 ዓመታት ብፓርላማ ዲፕሎማሲ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ተሳሊጦም እዮም።

ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ምስ ኣፍሪካ፣ ኣውሮፓ፣ ምብራቕ ኣውሮፓ፣ኤስያ፣ላቲን ኣሜሪካን ካልኦት ሃገራትን ጉጅለ ምሕዝነት ፓርላማ መስሪቱ እናሰርሐ እዩ ዝርከብ ኢሎም።

በቶም ጉጅለታት ፓርላማ ኢትዮጵያ ምስ ሃገራት ዓለም ኣብ ፖለቲካ፣ምጣነ ሃፍቲ፣ማሕበራውን ፀጥታውን ዓውድታታ ዘለዋ ርክብ ዘጠናኽሩ ዘተታትን ልውውጥ ልምድታትን ከምዝተሳለጡ እውን ሓቢሮም።

ስለዝኾነ ድማ ብሄራዊ ረብሓ ሃገር ኣብ ምሕላውን ዓለም ለኸ ርክብ ኣብ ምጥንኻርን ውፅኢት ከምዝተመዝገበ ኣረዲኦም።

ኢትዮጵያ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምፅዋር ኣብ ሓምለዋይ ኣሰር ዘመዝገበቶ ዓወትን ተሳልጦ ዘላ ስራሕን ኣብቶም ዘተታትን ዓለም ለኸ መድረኻትን ልምዳ ከምዘካፈለት ተዛሪቦም።

ብምግቢ ዓርስኻ ንምኽኣል ኣብ ግብርናን ትሩፋት ሌማትን ከምኡ እውን ዘበናዊ ከተማታት ንምህናፅ ኣብ ልምዓት ኮሪደር ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ እውን ሃገራት ተሞኩሮ ዝወሰዳሎም ስራሕቲ እዮም ኢሎም።

ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 4 ዓመታት ዓወታት ዘመዝገበትሉ ከምኡ እውን ብፈተናታት ዝሓለፈትሉ እዋን ምዃኑ ንመሓዙት ኣባላት ፓርላማ ብምርዳእ ፓርላማ ዲፕሎማሲ  ዓብዪ ኣስተዋፅኦ ከምዘበርከተ ተዛሪቦም።

ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ኣካል ጉድኣት ከምዘየብፅሕን ንሃገራት ጎረቤትን ተፋሰስን ረብሓ ከምዘለዎን ኣብ ምርዳእ እውን ውፅኢት ከምዝተረኸበ ሓቢሮም።

ኣብ ቀፃሊ እውን ብመትከል ሂብካ ምቕባል ተለዋዋጢ ዝኾነ ዓለም ለኸ ፖለቲካ ኣብ ግምት ብምእታው ብሄራዊ ረብሓ ዘረጋግፁ ርክባት ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ኣረዲኦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም