ፎረም መዳርግቲ ኣካላት ንስርዓት ቁፅፅር ኦዲት ብምጥንኻር ተሓታትነት ንምርግጋፅ ምችው ኩነታት ፈጢሩ እዩ-እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ - ኢዜአ ትግርኛ
ፎረም መዳርግቲ ኣካላት ንስርዓት ቁፅፅር ኦዲት ብምጥንኻር ተሓታትነት ንምርግጋፅ ምችው ኩነታት ፈጢሩ እዩ-እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ/ 4/2017 (ኢዜኣ) ፎረም መዳርግቲ ኣካላት ኦዲት ኣሰራርሓ ትካላት ብምፍታሽ ስርዓት ቁፅፅር ንምጥንኻርን ተሓታትነት ንምርግጋፅን ምችው ኩነታት ከምዝፈጠረ ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ምምሕዳርን ቁፅፅርን ወፃኢ መንግስቲ ኣፍሊጡ።
እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ኣብ ኣፈፃፅማ በጀት ዓመት 2017 ፎረም መዳርግቲ ኣካላት ኦዲት ዝጠመተ ዘተ ኣሳሊጡ።
ኣካቢት እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ የሺመቤት ደምሴ(ዶ/ር) መዛዘሚ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ትልሚ ፎረም መዳርግቲ ኣካላት ኦዲት ኣቕሪበን።
እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ፤ ትካላት ፌዴራል ብመንግስቲ ኣብ ዝተበጀተ በጀት ዘለዎም ኣጠቓቕማ፣ፖሊሲታት፣ ስትራቴጂታት፣ሕግታት፣ስርዓታት ኣሰራርሓን ትልምታትን ኣብ ምፍታሽ ብትኹረት እናሰርሐ እዩ ኢለን።
እቲ ፎረም ፈጸምቲ ትካላትን ካልኦት ቀወምቲ ኮሚቴታትን ንፀብፃብ ኦዲት ዝህብዎ ትኹረት ንክውስኽ ዕድል ከምዝፈጠረ እውን ሓቢረን።
ስለዝኾነ እውን ኣብዚ በጀት ዓመት ምስ ኦዲት ተኣሳሲሩ ሪእቶ ካብ ዝተውሃቦም ትካላት ውሽጢ ንሰለስተ ትካላት መጠንቀቕታ ፅሑፍ ከምዝተውሃምን ነቶም ሓለፍቲ ድማ ገንዘብ ከምዝተቐፅዑን ብምግላፅ፤ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ሓዊሱ ን7 ትካላት መንግስቲ መጠንቀቕታ ፅሑፍ ንክበፅሖም ከምዝተገበረ እውን ኣረዲአን።
ፎረም መዳርግቲ ኣካላት ኦዲት፤ ኣሰራርሓ ትካላት ብምፍታሽ ስርዓት ቁፅፅር ንምጥንኻርን ተሓታትነት ንምርግጋፅን ምችው ኩነታት ከምዝፈጠረ ገሊፀን።
ኣብቲ ዘተ፤ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ትካላት ፌዴራልን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ተረኺቦም።