ማሕበረሰብ ንግዲ ፅባሓ ዝተሰርሐ ኢትዮጵያ ንቀፃሊ ወለዶ ናይ ምርካብ ሓላፍነት ኣለዎ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ማሕበረሰብ ንግዲ ፅባሓ ዝተሰርሐ ኢትዮጵያ ንቀፃሊ ወለዶ ናይ ምርካብ ሓላፍነት ኣለዎ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ /4/2017(ኢዜኣ) ማሕበረሰብ ንግዲ ናይ ትማሊ ስምብራታ ዝተፀገነን ፅባሓ ዝተሰርሐን ኢትዮጵያ ንቀፃሊ ወለዶ ናይ ምርካብ ዓብይ ሓላፍነት ከምዘለዎ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ካብ መላእ ኢትዮጵያ ዝተውፃእፅኡ ተወከልቲ ማሕበረሰብ ንግዲ ዘትዮም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ዕዳጋን ንግድን ንዕቤት ሓንቲ ሃገር ልዑል እጃም ከምዘለዎም ተዛሪቦም።
ዕዳጋ ሃገር ይሃንፅ፣ዕዳጋ ፍልጠት የሸጋግር፣ዕዳጋ ስልጣነ የምፅእ ከምኡ እውን ሜላ መነባብሮ ይቕይር ኢሎም።
ዕዳጋ ገንዘብ ዝርከበሉ ጥራሕ ኣይኮነን ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ሃገር ዝህነፀሉን ንህልውና ሓንቲ ሃገር ወሳኒ እጃም ዘለዎን ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም።
ኣብዚ መዳይ ማሕበረሰብ ንግዲ ምስቲ ዘለዎ ሰፊሕ ተበፃሕነት ኣብ ህንፀትን ዕቤትን ሃገር ርኡይ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ኣብራህሪሆም።
ኢትዮጵያ ዝፀንሑን ሓደሽትን ፈተናታት ዘለውዋ ሃገር ምዃና ብምግላፅ፤ እቶም ዝፀንሑ ፀገማት ፈቲሕኻ ኣብ ቀፃሊ ምስራሕ ተዘይተኻኢሉ ወለዶ ዝተፀገነ ትማልን ዘይተሰርሐ ፅባሕን ስለዝርከብ እቲ ፀገም ከምዝቕፅል ኣረዲኦም።
ኢትዮጵያውያን ካብ መዓልታዊ ጉዳዮም ብዝሓለፈ ኣብ ሃገራዊ ጉዳያትን ፈተናታትን ናይ ምዝታይ ባህልና ክመሓየሽ ከምዘለዎ እውን ፀሪሖም።
ማሕበረሰብ ንግዲ ብዘለዎ ሰፊሕ ዓቕምን ተበፃሕነትን ዝሓለፉ ፀገማት ንምፍታሕን ፅባሕ ንምህናፅን ማሕበረሰብ ኣብ ምንቃሕን ምምሃርን ንክሳተፍ ፃውዒት ኣቕሪቦም።