መንግስቲ ንሰላም በሩ ኩሉ ግዜ ክፍቲ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
መንግስቲ ንሰላም በሩ ኩሉ ግዜ ክፍቲ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ/ 4/2017(ኢዜኣ) መንግስቲ ኣብ ጉዳይ ሰላም ንምዝታይ በሩ ኩሉ ግዜ ክፍቲ እዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስይር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ካብ መላእ ኢትዮጵያ ዝተውፃእፅኡ ተወከልቲ ማሕበረሰብ ንግዲ ዘትዮም።
እቶም ተወከልቲ ማሕብረሰብ ንግዲ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ሰላምን ዘላቒ ሰላም ኣብ ምርግጋፅ ዝተትሓዙ ትልምን ኣመልኪቶም ሓሳባት ኣልዒሎም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ካብቶም ተወከልቲ ንዝተልዓልሎም ሕቶታት ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ ከምዝበልዎ፤ መንግስቲ ዝሓልሞ ብልፅግና ብዘይ ሰላም ክዕወት ኣይኽእልን።
መንግስቲ ዋጋን ዘይትካእ እጃምን ሰላም ከምዝርዳእ እውን ኣፅንኦት ሂቦም ኣብራህሪሆም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ሰላም ዝበሃል ዘሎ ቢዝነስ እዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኮንትሮባንድን ሰብ ዓጊትካ ገንዘብ ኣምፅኡ ዝብሉ ኣካላትን ኣተሓሳስባ ሰላም ንእኩይ ዕላማ እናውዕለዎ እዮም ኢሎም።
ዘይሕጋዊ ስራሕቲ ንግዲ ፀረ ሰላም ከምኾኑ ብምሕባር፤ መንግስቲ ኣብዚ ጉዳይ ጠንካራ ስጉምቲ እናወሰደ ከምዝርከብን በዚ ድማ ለውጥታት ምምፅኦምን ሓቢሮም።
መንግስቲ ሰላም ንክመፅእ ምስ ዝደሊ ዝኾነ ይኹን ኣካል ንምስራሕን ፀገማት ብዘተ ንምፍታሕን ድሉው ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ መንግስቲ ንሰላም በሩ ኩሉ ግዜ ክፍቲ እዩ ኢሎም።
ማሕብረሰብ ንግዲ እውን ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላም ንክመፅእ ሃናፂ ኣስትዋፅኦ ኣብ ምብርካት እጃሙ ንክዋፃእ ኣገንዚቦም።