ሰራሕተኛ ሲቪል ሰርቪስ ነታ ከተማ ዝምጥን፣ካብ ስርቂ ዝነፅሀን ቅልጡፍን ኣገልግሎት ብምሃብ ሃገራዊ ሓላፍነቱ ብኣግባቡ ክዋፃእ ይግባእ-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ




 

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ /3/2017 (ኢዜኣ) ሰራሕተኛ ሲቪል ሰርቪስ ነታ ከተማ ዝምጥን፣ካብ ስርቂ ዝነፅሀን ቅልጡፍን ኣገልግሎት ብምሃብ ሃገራዊ ሓላፍነቱ ብኣግባቡ ክዋፃእ ከምዝግባእ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።

“ብቕዓት ዘለዎ ሲቪል ሰርቫንት ንብልፅግና ኢትዮጵያ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ካብ ወረዳ ጀሚሩ በቢርኩ ኣብ ዘለዉ ሰራሕተኛታት ሲቪል ሰርቪስ ክካየድ ንዝፀንሐ ዘተ መዛዘሚ ዘተ ተኻይዱ።

ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ መንግስቲ ድሕሪ እቲ ሃገራዊ ለውጢ ሰራሕተኛታት ሲቪል ሰርቪስ ሓዊሱ መነባብሮ ዜጋታት ንምምሕያሽ ዝተፈላለዩ ስጉምትታት ወሲዱ እዩ።

ብፍላይ ድማ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝለዓሉ ሕቶታት ልምዓትን ፍትሓውነትን ብዘላቕነት ንምምላስ ሽቶን ስትራቴጂን 10 ዓመት ሓንፂፁ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናሳለጠ ከምዝርከብ ተዛሪበን።

ሰራሕተኛታት ሲቪል ሰረቪስ ካብ ስርቂ ዝነፅሀ፣ቅልጡፍን ብቕዓት ዘለዎን ኣገልግሎት ብምሃብ ሃገራዊ ሓላፍነቶም ብኣግባቡ ንክዋፅኡ እውን ሓቲተን።

እቲ ሰራሕተኛ በቢእዋኑ ንዘልዕሎም ሕቶታት እቲ ምምሕዳር ከተማ ምላሽ እናሃበ ከምዝኾነ ኣብራህሪሀን።

ቅልጣፈ ኣገልግሎት ንምውሳኽ ኣብ ትካላት ሲቪል ሰርቪስ ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈ ኣሰራርሓ ንምዝርጋሕ ዝተጀመረ ስራሕ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል እውን ኣረዲአን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም