ኣብ ሓንቲ ሃገር ኩለመዳያዊ ዕቤት ንምምፃእን ተረባሕነት ዜጋታት ንምርግጋፅን እጃም ዓውዲ ኣገልግሎትን ምምሕዳርን መንግስቲ ዝለዓለ እዩ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ



 

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ 3/2017(ኢዜኣ) ኣብ ሓንቲ ሃገር ኩለመዳያዊ ዕቤት ንምምፃእን ተረባሕነት ዜጋታት ንምርግጋፅን እጃም ዓውዲ ኣገልግሎትን ምምሕዳርን መንግስቲ ዝለዓለ እዩ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤አቢይ ኮሚቴ ኣመራርሓ ሪፎርም ኣገልግሎትን ምምሕዳርን መንግስቲ መበል 5 ስሩዕ ኣኼባና ሎሚ ኣሳሊጥናኢሎም።

ኣብ ዘተና ኣወሃህባ ኣገልግሎት ኣብ ፈላማይ ዙር ናብ ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ዝኣተዉ ትካላት ከምኡ እውን ኣብ ቀፃሊ ዙር ንምእታው ቅድመ ምድላው ዝዛዘሙ ትካላት ተዓዚብና ክብሉ እውን ፀሪሖም።

ብተወሳኺ እውን ኩሎም ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን መሶብ ንምጅማር ዘሳልጥዎም ዘለዉ ምንቅስቓስ ቅድመ ምድላው ከምዝገምገሙ ሓቢሮም።

ስለዝኾነ ድማ ኣብ ፈላማይ ዙር ናብ መሶብ ዝኣተዉ ትካላት ብመሰረት እቲ ዝተቐመጠ ስታንዳርድ ቅልጡፍ ኣገልግሎት እናሃቡ ከምዝርከቡ ከምዝተዓዘቡ ኣረዲኦም።

ኣብ ቀፃሊ እውን ኣብ ካልኣይ ዙር ናብ መሶብ ዝኣትዉ ትካላትን ኣብ ኩሎም ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ዝሳለጡ ስራሕትን ብኸመይ ክስርሑ ከምዘለዎምን ንተግባራዊ ምንቅስቓሶም እውን ኣንፈት ከምዘቐመጡን ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም