ብትግበራ ሃገር ቦቆል ኢኮኖሚ ኣሳታፍን ተረባሕነት ዜጋታት ዘረጋግፅን ምንቅስቓስ ኢኮኖሚ ተፈጢሩ እዩ-ሚኒስትር ሙፈሪሃት ካሚል



 

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ 3/2017 (ኢዜኣ) ብትግበራ ሃገር ቦቆል ኢኮኖሚ ኣሳታፍን ተረባሕነት ዜጋታት ዘረጋግፅን ምንቅስቓስ ኢኮኖሚ ከምዝተፈጠረ ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚል ገሊፀን።

ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ምስ ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ብምትሕብባር ዘዳለዎ ካልኣይ ምዕራፍ 5 ዙር ዘተ ፓነል ምእንተ ኢትዮጵያፈጠራ ዕድል ስራሕ ምእንተ ኢትዮጵያኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ ኣዳማ ይሳለጥ ኣሎ።

ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚል ኣብዚ እዋን ብበይነ መረብ ኣብ ዘመሓላለፍኦ መልእኽቲ ከምዝበልኦ፤ ኢትዮጵያ ብተፈጥሮኣውን ሰብ ስራሕን ሃፍትታት ዝማዕበለት ሃገር ምዃና ስዒቡ ሃፍትታታ ኣብ ረብሓ ንምውዓል እናሰርሐት እያ።

ስለዝኾነ እውን ዘለዋ ፀጋ ብምጥቃም ልምዓት ክእለት፣ፈጠራ ዕድል ስራሕን ርክብ ሰራሕተኛን መስርሕን ብምትእስሳር ዝነኣዱ ውፅኢታት እናመዝገበት ከምትርከብ ሓቢረን።

ብትግበራ ሃገር ቦቆል ኢኮኖሚ ኣሳታፍን ተረባሕነት ዜጋታት ዘረጋግፅን ኢኮኖሚያዊ ምንቅስቓስ ምፍጣር ከምዝተኽኣለ እውን ሓቢረን።

ጉዳይ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ጉዳይ ህልውና ዜጋታት ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ፀጋ ዝተወሰኸሉ ተበፃሕነት ዕድል ስራሕ ምርግጋፅ ወሳኒ እዩ ኢለን።

ስለዝኾነ እውን ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ፣ልምድን ተመኩሮን ሃገራት ዝቀሰመን ሓደሽቲ ኣማራፅታት ስራሕ ተበፃሒ ዝገበረን ፈጠራ ዕድል ስራሕ ትኹረት ከምዝተገበረሉ ተዛሪበን።

ዓውዲ ውልቀ ኣብ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ዘለዎ ዓቕሚ ብምጥቃም ተረባሕነት ዜጋታት ምርግጋፅን ንሓቛፋይ ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ዘበርክትዎ ኣሰተዋጽኦ ምጥንኻርን ትፅቢት ከምዝግበረሎም ኣተሓሳሲበን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም