ኢትዮጵያን ኣርሜኒያን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ዘለወን  ምትሕብባር ኣጠናኺሮም ክቐጽሉ እዮም -ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ



 

ኣዲስ ኣበባ/ ሰነ/3/ 2017 ኢዜኣ/ኢትዮጵያን ኣርሜኒያን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ዘለወን  ምትሕብባር ኣጠናኺሮም ክቐጽሉ እዮም ክብሉ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ ገሊፆም።

 ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴንምክትል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣርሜኒያ ቫሃን ኮስታኒያን ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተቐቢሎም ኣዘራሪቦም።

 ምክትል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣርሜኒያ ቫሃን ኮስታኒያን  ካብ ፕሬዚዳንት ኣርሜኒያ ቫሃግን ካቻቱሪያን ዝተለኣኸ መልእኽቲ ንፕሬዝዳንት ታዬ ኣቕሪቦም።

ኣብ እቲ ክልተአዊ ዘተ ሰብ ሃፍቲ ኣርሜኒያ ኩለመዳይ ዕድላት ሪፎርም ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ኢንቨስት ንኽገብሩ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡

ኣብ ዘተኦም ድማ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዓውዲታት ኢኮኖሚ፣ ባህሊን ትምህርቲ ዘለወን ርክብ ምዕባይ ኣብ ዝኽላሎም ጉዳያት ትኹት ገይሮም።

ፕሬዚዳንት ታዬ እተን ሃገራት ዓሚቕን ታሪኻዊን ርክብ ከምዘለወን ብምሕባር ርክበን ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ምትሕብባር ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ተዛሪቦም፡፡

ኢትዮጵያ ኩለመዳይ ሪፎርም ኢኮኖሚ እናገበረት ትርከብ ዝበሉ ፕሬዚዳንት ታዬ፤ ሰብ ሃፍቲ ኣርሜኒያ ኣብ ኢትዮጵያ ኢንቨስት ንኽገብሩ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ምክትል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣርሜኒያ ቫሃን ኮስታኒያን ብግደኦም፤ ሃገሮም ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ኩለመዳይ ርክብ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ንምስግጋር ብቖራፅነት ከምትሰርሕ ሓቢሮም ፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም