ረቂቕ በጀት በጀት ዓመት 2018 መንግስቲ ፌዴራል እቲ ዝተማልአ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ብዕዉት ኩነታት ንምቕፃል ልዑል እጃም ኣለዎ-ሚኒስትር ኣሕመድ ሽዴ - ኢዜአ ትግርኛ
ረቂቕ በጀት በጀት ዓመት 2018 መንግስቲ ፌዴራል እቲ ዝተማልአ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ብዕዉት ኩነታት ንምቕፃል ልዑል እጃም ኣለዎ-ሚኒስትር ኣሕመድ ሽዴ

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ 3/2017(ኢዜኣ) ረቂቕ በጀት በጀት ዓመት 2018 መንግስቲ ፌዴራል ነቲ ዝተማልአ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሞ ብዕዉት ኩነታት ንምቕፃል ልዑል እጃም ከምዘለዎ ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ገሊፆም።
ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ መበል 35 ዘበነ ስራሕ 4ይ ዓመት ስሩዕ ኣኼብኡ የሳልጥ ኣሎ።
ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ኣብ ረቂቕ በጀት በጀት ዓመት 2018 መንግስቲ ፌዴራል ኣመልኪቶም ንቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ መብራህርሂ ሂቦም።
ኣብ መብራህሪህኦም እውን በጀት ዓመት 2018 ኣታዊ መንግስትን ደገፍ ወፃእን ሓዊሱ 1 ነጥቢ 5 ትሪልዮን ብር ከምዝኸውን ይግመት ኢሎም።
እዚ ድማ ብኣንፃር ኣብ በጀት ዓመት 2017 ክእከብ እዩ ተባሂሉ ዝተገመተ ሓፈሻዊ ኣታዊ 62 ሚኢታዊ ዕቤት ከምዘርኣየ ተዛሪቦም።
ካብቲ ዝቐረበ ረቂቕ በጀት መንግስቲ ፌዴራል እቲ 61 ሚኢታዊ ንስሩዕ በጀት ዝተመደበ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ እዚ ድማ ኣብዚ በጀት ዓመት ንስሩዕ በጀት ካብ ዝተመደበ በጀት 48 ነጥቢ 1 ሚኢታዊ ዕቤት ዘለዎ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።
ብተወሳኺ እውን ንካፒታል በጀት መንግስቲ ፌዴራል ካብ ዝተሰልዐ 415 ቢልዮን ብር ካብቲ ሓፈሻዊ በጀት 22 ሚኢታዊ ብፅሒት ከምዘለዎ ብምግላፅ፤ ምስ በጀት ዓመት 2017 እንትነፃፀር 72 ቢልዮን ብር ወሰኽ ከምዘለዎ ገሊፆም።
ንበጀት ዓመት 2018 ዝተትሓዘ በጀት መንግስቲ ፌዴራል ምስ በጀት ዓመት 2017 እንትነፃፀር ወሰኽ ከምዘለዎ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር፤ መብዛሕቲኡ እቲ ወሰኽ ድማ እቲ መመሓየሺ ተግባራዊ ምስ ምግባር ዝተኣሳሰሩ ወፃእታት ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
እቲ በጀት እቲ ዝተማልአ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ብዕዉት ኩነታት ንምቕፃል ልዑል እጃም ከምዘለዎ እውን ገሊፆም።
በጀት ዘለዎም ኣብያተ ዕዮ እውን እቲ ዝተመደበሎም በጀት ነቲ ዝተሓሰበሉ ዕላማ ኢሉ እውን ኣብ ቁጠባን ውፅኢታዊ ረብሓን ከውዕልዎ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።
እቲ በጀት ብትኽክል ተግባራዊ ንክኸውን ዝምልከቶ ኣካል ኣድላይ ዝበሃል ኩሉ ንክገብር እውን ፃውዒት ኣቕሪቦም።