እቲ ዝተማልአ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ኣብ ኩሎም ዘፈራት ዝነኣዱ ውፅኢታት እናመዝገበ እዩ-ሚኒስትር ኣሕመድ ሽዴ

 

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 30/2017 (ኢዜኣ) እቲ ዝተማልአ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ኣብ ኩሎም ዘፈራት ዝነኣዱ ውፅኢታት እናመዝገበ ከምዝኾነ ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትር ገንዘብ ኣብ ጉዳያት እዋናዊ ኣፈፃፅማ ኢኮኖሚ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መብራህርሂ፤ እቲ ዝተማልአ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ዘላቒ ዕቤት ኢኮኖሚ ምምዝጋብ ኣብ ዘኽእል ዝተባባዕ ከይዲ ከምዘሎ ሓቢሮም።

ኣብ ወርሒ ሓምለ በጀት ዓመት 2017 ተግባራዊ ዝተገበረ ዝተማልአ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ እኹል ምድላው ተገይርሉ ተግባራዊ ብምዃኑ ኣብ ኩሎም ዓውድታት ውፅኢታት ንክምዝገቡ ከምዘኽኣለ ተዛሪቦም።

ሸርፊ ወፃኢ ብዕዳጋ ንክውሰን፣ፖሊሲ ፊስካልን ሓዱሽ ፖሊሲታት ገንዘብን ተግባራዊ ምግባሮም፣ኢንቨስትመንት ዘተባብዑ ዝተፈላለዩ መመሓየሽታት ሕጊ ምግባሮም ልዑል ውጸኢት ንክምዝገብ ከምዘኽኣሉ ገሊፆም።

ንግዲ ወጻኢ ኢትየጵያ ልዑል ዕቤት ምምዝጋብ ምኽኣሉ እውን ውፅኢት ዝተማልአ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ እዩ ኢሎም።

ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ኣብቲ በጀት ዓመት 8 ነጥቢ 4 ሚኢታዊ ዕቤት ከምዘመዝግብ ትፅቢት ይግበር ዝበሉ እቶም ሚኒስትር፤ እቲ ዝተማልአ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ነዚ ወሳኒ እጃም ከምዘለዎ ኣረዲኦም።

ብተወሳኺ እውን እቲ ዝተማልአ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ልዑል ዕቤት ኣታዊ ንክምዝገብ ከምዘኽኣለ ብምሕባር፤ እቲ መመሓየሺ ናህሪ ዋጋ ንክቕንስ ከምዝገበረ ሓቢሮም።

ኩሎም ትካላት ልምዓት መንግስቲ ማለት እውን ኣፈፃፅማ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፣ኢትዮ-ቴሌኮም፣ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያን ካልኦትን ብዝለዓለ ኩነታት ኣብ ምዕባይ እዩ ዝርከብ ኢሎም።

ሆልዲንግ ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ እውን ኣብ ኢኮኖሚ ዝገብሮ ኣስተዋጽኦ ብዝበለፀ ንክጠናኸር ምክትታል ኢሉ እውን ብመዳይ ኢንቨስትመንት ምስሓብ ዝነኣዱ ውፅኢታት እናሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፆም።

እቲ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ኢንቨስትመንት ኣብ ምስሓብ ዓብይ ውፅኢት ከምዘምፀአ እውን ፀሪሖም።

ኣብዚ በጀት ዓመት መንግስቲ ልዑል ድጎማ በጀት ከምዝገበረ ብምሕባር፤ እዚ ድማ ተመን ሸርፊ ወፃኢ ኣብ ዕዳጋ ንክውሰን ስለዝተገበረ ክፍጠር ዝኽእል ዝነበረ ፅልዋ ምፅዋር ከምዘኽኣለ ተዛሪቦም።

ኣብ ቀጻሊ እውን በቲ ትግበራ ዝተማልአ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ዝተረኸቡ ዓወታት ተጠናኺሮም ንክቕፅሉ ከምዝስራሕ ሓቢሮም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም