ዘይተደመረ ዓቕሚ፣ሃፍትን ፍልጠትን እቲ ንሓስቦ ብልፅግና ኣየረጋግፅን-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ዘይተደመረ ዓቕሚ፣ሃፍትን ፍልጠትን እቲ ንሓስቦ ብልፅግና ኣየረጋግፅን-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት /30/2017 (ኢዜኣ) ዘይተደመረ ዓቕሚ፣ሃፍትን ፍልጠትን እቲ ንሓስቦ ብልፅግና ኣየረጋግፅን ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ቴሌቪዥን ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ኣብ ከባብታት ቆላ ኢትዮጵያ ዝተወሰደ ለውጢ ኣረኣእያ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መብራህርሂ፤ እቲ ሓደ ለውጢ ኣረኣእያ ዝመፀሉ ሰብ፣መሬትን ፍልጠትን ኢትዮጵያ ካብ ጫፍ ክሳብ ጫፍ ክንጥቀመሉ ኣለና፣ክንድመር ኣለና ዝብል ከምዝርከቦ ሓቢሮም።
ስለዝኾነ እውን ኣብ ከባብታት ቆላ ኢትዮጵያ ዘሎ ሃፍቲ ሰብ፣መሬትን ማይን ንልምዓት እታዎት ንክኸውን ትኹረት ተዋሂቡ እናተሰርሐ ከምዝኾነን እዚ ድማ ቀንዲ ኣተሓሳስባ መደመር ከምዝኾነን ኣረዲኦም።
ልምዓት ቆላ ኣካል ምፍላጥ እታ ሃገር፣ምፍላጥ ሃፍትናን ዓቕምናን ከምኡ እውን ኣብ ምጥቃም ዘለና ድሌት እዩ ኢሎም።
ሃፍቲ እታ ሃገር ብኣግባቡ ከይፈለጥና፣ዓቕምና ከፈለጥናን ሓሲብና ምድማር ከይኸኣልናን እቲ ንሓስቦ ብልፅግና ምርግጋፅ ኣይንኽእልን ክብሉ እውን ተዛሪቦም።
ደቡብ ኦሞ ከም መርኣያ ዝፀርሑ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ እቲ ዘሎ ሃፍቲ ማይን መሬትን ኣብ ግምት ብምእታው 145 ኪሎ ሜትሮ ዓብይ ካናል ከምዝተሰርሐ ገሊፆም።
እዚ ማሽን ብምጥቃም ምልማዕ እንተተኻኢሉ ብምግቢ ዓርስኻ ንምኽኣልን ልኣላዊነት ምግቢ ንምርግጋፅን ኣብ ንገብሮ ፃዕሪ ዘለዎ ኣስተዋጽኦ ልዑል እዩ ኢሎም።
ብተመሳሳሊ እውን ክልላት ሶማሌ፣ዓፋርን ከባቢ ቦረና ክልል ኦሮሚያን ተመሳሳሊ ሃፍቲ ዘለዎም ከምዝኾኑ ብምግላፅ፤ ከባቢ ቆላ ሰፊሕ ሃፍቲ መሬት ዝርከበሉ ከባቢ ከምዝኾነ ወሲኾም ሓቢሮም።
ከባብታት ቆላ ብምኽንያት ተፈጥሮኣዊ ኣቀማምጣ መሬቶም ሃፍቲ ማይን መሬትን ብማሽን ንምጥቃም ምችው ኩነታት ዘለዎ እዩ ኢሎም።
ስለዝኾነ እውን እዞም ከባብታት ከየልማዕና ልኣላዊነት ምግብን ብልፅግናን ብዝተማልአ መንገዲ ከምዘይመፅእ ኣገንዚቦም።